እዚ ጾም እዚ ኵሎም ካብ ኣዳም ጀሚሮም ክሳዕ ልደት ክርስቶስ ዝነበሩ ቐዳሞት ኣበውን ነቢያትን በብዘመኖም ንልደተ ክርስቶስ ብጾምን ጸሎትን እናተጸበዩ ዝጾምዎ እዩ። ንሕና ድማ ኣሰሮም ስዒብና በዓለ ልደት ቅድሚ ምኽባርና እዚ ጾም እዚ ብኣዋጅ ክጽወም ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ሠሪዓትልና። (ፍትሐ ነገሥት አንቀጽ 15) ቅዱሳን ነቢያት፡ ንተስፋ ኣዳም ንመደብ እግዚአብሔር ብዓይኒ እምነት እናጠመቱ ንዝረሓቐ ኣቕሪቦም፡ ንዝረቐቐ ኣጕሊሖም፡ ትንቢት ተነበዩ፡ ሱባኤ ቈጸሩ፡ ብዛዕባ ልደት ጐይታና እናሓሰቡ’ውን ጾሙን ጸለዩን።
• ነቢየ እግዚአብሔር ዳዊት፦ ‘አንሥእ ኃይለከ . . . ፡ ፈኑ እዴከ’ እናበለ ጨርሐ። መዝ. 145፡7
• ካብ ዓበይቲ ነቢያት ከምዚ ዚስዕብ ኢሎም ተነበዩ፦ ነቢይ ኢሳይያስ፦ ‘ስለዚ እግዚአብሔር ባዕሉ ትእምርቲ ክህበኩም እዩ፥ እንሆ ድንግል ክትጠንስ ወዲ ኸኣ ክትወልድ እያ፥ ስሙ’ውን ኣማኑኤል ክትሰምዮ እያ’ (ኢሳ. 7፡14)፣ ‘በታ መዓልቲ እቲኣ ኣሕዛብ ነቲ ንሕዝብታት ሰንደቕ ዕላማ ኪኸውን እተተኽለ ጠጥዒ ሡር እሤይ ኪደልዩ እዮም፥ መኅደሪኡ ከኣ ክቡር ኪኸውን እዩ።’ (ኢሳ. 11፡10) ነቢይ ሕዝቅኤል፦ ‘ድኅር’ዚ ካብተን ቃላተይ ሓንቲ’ኳ ኣይክትድንጕን እያ፡ እታ እተናገርክዋ ቓል ከኣ ክትፍጸም እያ’ ይብል እግዚአብሔር ኣምላኽ ኢልካ ከኣ ንገሮም።” (ሕዝ. 12፡28፡ 44:1-2) ነቢይ ዳንኤል፦ ብዛዕባ ኃጢኣቱን ኃጢኣት ሕዝቢ እስራኤልን ኪጽሊ (ኪምህለል) ከሎ ቅዱስ ገብርኤል ከምዚ በሎ፦ “ንዕልወት መወዳእታ ኪገብሮ ኃጢኣት ክውዳእ ኣበሳ ክዕረቕ ዘለዓለማዊ ጽድቂ ክኣቱ ራእይን ትንቢትን ክኅተም ናይ ቅዱሳን ቅዱስ ድማ ክቅባእሲ ኣብ ሕዝብኻን ኣብታ ቅድስቲ ከተማን ሰብዓ ሰሙን ተመዲቡ እዩ” (ዳን. 9፡24)
• . . . ወዘይመስሎ ስለዚ እዚ ጾም’ዚ ተስፋ ኣዳምን ትንቢተ ነቢያትን ብልደት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተፈጸመሉ ጾም ስለዝኾነ ጾመ ነቢያት፡ ጾመ ልደት ይበሃል። ሎሚ ንሕና ንጾመሉ ምኽንያት ከም ቅዱሳን ነቢያት ‘ውረድ ተወለድ’ እናበልና እግዚአብሔር ወልድ ዳግማይ ክውለድ ኢልና ዘይኮነስ ብልደቱ ዝገበረልና ውዕለት እናዘከርና ኃጢኣትና ንምድምሳስን በረኸት ልደት ንምስታፍን እዩ። ነዚ ጾም’ዚ፡ ንቤተ ክርስቲያን ሓድነትን ፍቕርን፡ ንኣገልገልቲ ትግሃትን ትሕትናን፡ ንምእመናን ጽንዓትን በረኸትን ዝህብ ጾመ ሥርየት ገይሩ ናብ ብርሃነ ልደቱ ብሰላም የብጽሓና!
ወስብሐት ለእግዚአብሔር!