ኣብ ገዳም ቁስቋም ማርያም ኣረጊት ድባርዋ ብድሮ ዋዜማ ሕግን ሥርዓትን ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብዝሓለወ ካብ ከተማ ኣሥመራን ከባቢ ንኡስ ዞባ ድባርዋን ዝተጋብኡ መምህራን ሊቃውንትን መዘምራንን ነቲ ቅዱስ በዓል ዝምልከት ስብሐተ እግዚአብሔር ኣብጺሖም።
ብምቕጻል’ውን ናብ 6 ኅዳር ዘውግሕ ለይቲ ደወል ተደዊሉ ሊቃውንት መዘምራን ክሳዕ ወጋሕታ ያሬዳዊ ስብሓታት ምስ በጽሐ፡ ቅዳሴ ብብፁዓን ኣቦታት ተቐዲሱ ዑደተ ታቦት ተገይሩ። መዘምራን ቀቅድሚ ታቦት እናኸዱ “መሶበ ወርቅ እንተ መና ወማዕጠንታኒ ዘወርቅ፡ ተመየጢ ተመየጢ ሃሌ ሉያ ሰላመ ሰጣዊት ወንርኣይ ብኪ ሰላም/ ሃሌ ሉያ! ኣንቲ ወሃቢት ሰላም ብኣኺ ሰላም ምእንቲ ኽንረክብሲ ተመለሲ” ዝብል ንፍቕሪ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝገልጽ ጣዕመ ዜማ ኣስሚዖም።
ነቲ ዕለትን ወቕትን ዝምልከት ስብከተ ወንጌል ብኃላፊ ምክትታል ኣድያማተ ስብከት ሊቀ ካህናት ቀሲስ ዘሚካኤል ኣብርሃም ንኽብርን ዕብየትን ናይቲ ክብረ በዓል ቁስቋም ዝምልከት ሕዝቢ ብተመስጦ ዝተቐበሎ ሰፊሕ ትምህርቲ ኣስሚዖም። ብድኅር’ዚ ብፁዕ ኣቡነ ዮሐንስ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ድባርዋ ቃለ ቡራኬን ጸሎትን ምስ ተዋህበ እቲ በዓል ብሰላም ተፈጺሙ።
በዓለ ቁስቋም ሓደ ካብ 33 በዓላተ ቅድስት ድንግል ማርያም እዩ፡ ‘አመ ፮ ለኅዳር በዓታ ውስተ ደብረ ቁስቋም’ ከምዝብል። (መቅድመ ተአምረ ማርያም) ቅድስት ድንግል ማርያም ነቲ ናይ ሠለስተ ዓመትን መንፈቕን ስደታ ወዲኣ፡ ንመስፍን ሰላም ኣቦ ዘለዓለም ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ኂዛ ናብ እስራኤል ኣብ ዘቕንዓትሉ ጊዜ ደብረ ቁስቋም ኣትያ ብሓጐስ ዘዕረፈት ብሽድሽተ ኅዳር ስለዝኾነ ነዚ ንምዝካር በዓለ ቁስቋም ይበሃል።