Print this page

ክብረ በዓል ‘ቅዱስ ሚካኤል 12 ኅዳር’ ብዓቢይ ድምቀት ተኸቢሩ!

Nov 22, 2019

ክብረ በዓል ‘ቅዱስ ሚካኤል’ ሎሚ ዓመት 2012 ዓ.ም. ብሓፈሻ ኣብ ኵለን ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያን፡ ብፍላይ ኣብተን ብስም ቅዱስ ሚካኤል ዝጽውዓ ብኽብሪ ተባዒሉ።

ብፍሉይ ዝጥቀስ ድማ ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ፡ ደብረ ሣህል ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን (ጸጸራት)፡ ካብ ዋዜማ ጀሚሮም ክሳዕ ረፋድ 12 ኅዳር መኀትወ ቤተ ክርስቲያን ዝኾኑ ሊቃውንት መምህራንን መዘምራንን ውሉድ ክህነት፡ ተራዳእነት መላእክት እናተማኅፀኑ ኵሉ ስብሐተ እግዚአብሔርን ንቅዱስ ሚካኤል ዝጠቅስ ቅኔያትን ማኅሌትን ንባባት ቅዱሳት መጻሕፍትን ኣብጺሖም።

ካብ ሰዓት 7፡00 ቅ.ቀ. ክሳዕ 10፡00 ቅ.ቀ. ብዝተፈላለዩ መምህራንን ደቀ መዛሙርትን ስብከተ ወንጌል ተዋሂቡ።

ብመሠረት መርሐ ግብር ድማ ሰዓት 10፡00፡ ‘ታቦተ ሕጉ’ ካብ መንበረ ክብሩ ተላዒሉ ክዓውድ ከሎ፡ ብፁዓን ኣቦታት ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ዓቃቤ መንበር፡ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ገዳማውያን፡ ውሉደ ክህነት ካህናትን ዲያቆናትን፡ ተመሃሮ ትምህርተ ሰንበትን፡ ብኣሽሓት ዝቍጸሩ ምእመናንን ምእመናትን ብዝማሬን ዕልልታን ምህለላን ኣኽቢሮም ምስ ዓጀብዎ፡ ኣብ ዝተዳለወሉ ዓውደ ምሕረት ቆመ።

ሠለስተ ካብ ሊቃውንት ሠለስተ ለዘብ ብምስማዕ ‘ ውእቱ ሚካኤል መልአከ ኃይል ልዑል ውእቱ ልዑለ መንበር፡ ይስአል ለነ ረዳኤ ይኩነነ ኀበ ምንዳቤ/ እቲ ኃያልን ልዑልን በዓል ልዑል መንበርን ዝኾነ መልኣኽ ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ጊዜ ጸገምና ይለምነልናን ረዳኢ ይኹነናን’ እናበሉ ኣሸብሺቦም።

ናይቲ ደብሪ ሕፃናትን መንእሰያትን ተመሃሮ ትምህርተ ሰንበት ብወገኖም ካብ ዝዘመርዎ ሠለስተ መዛሙር “ ንዝሕልወንን ዘናግፈንን ሚካኤል ኢለ ስሙ ክጽውዕ” እናበሉ ብምዝማር ነቲ በዓል ድምቀት ወሲኾምሉ። ብሓፈሻ ነቲ በዓል ከኽብር ዝመጸ ሕዝቢ ሓጐሱን ፍቕሪ ሃይማኖትን ብጣቕዒትን ዕልልታን ይገልጽ ነበረ።

ቀጺሎም ነቲ በዓል ዝምልከት ትምህርቲ ብመምህር ጴጥሮስ ገብረሚካኤል ተዋሂቡ። መምህር ጴጥሮስ ኣብ ዘፀ. 14:14 “እግዚአብሔር ይፀብእ ለክሙ አንቱሙሰ አርምሙ/ እግዚአብሔር ክዋጋኣልኩም እዩ እሞ ንስኻትኩም ኣርምሙ” ዝርከብ መሪሕ ጥቕሲ ብምግባር ታሪኽ እስራኤል ዘሥጋ ምስ ንሕና እስራኤል ዘነፍስ ብምዝማድ ንዝደረቐ ሕይወት ዘለስልስ፡ ንኣእምሮ ዝሓድስን ትምህርቲ ምሂሩ።

ብድኅር’ዚ መልእኽቲ ሰበኻ ጉባኤ ምስ ተመኃላለፈ፡ ብብፁዓን ኣቦታት ዝተመርሐ ምህለላን ጸሎትን ተገይሩ ታቦተ ሕጉ ብኽብሪ ናብ መንበሩ ብምቕማጥ ሥርዓተ ዑደት ሰዓት 12፡00 ተፈጸመ። ሥርዓተ ዑደት ደኣ ይፈጸም እምበር ናይ በዓል መእሠርን ፍጻሜን ጸሎተ ቅዳሴ ስለዝኾነ፡ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ዝመርሕዎ ጸሎተ ቅዳሴ ምስ ተሠርዐ ‘እተዉ በሰላም’ ተባሂሉ ሠርሖተ ሕዝብን ፍጻሜ በዓልን ኮነ።