ብፁዕ አቡነ ዮሐንስ ሊቀ ጳጳስ ኣህጉረ ስብከታት ጋሽ ጋርካን ድባርዋን ከባቢኣን ሓዋርያዊ ዑደት ፈጺሞም!

Dec 02, 2019

ዕለት 9 ኅዳር ክሳዕ 14 ኅዳር 2012 ዓ.ም. ዝተቓንዐ ሓዋርያዊ ጉዕዞ፡ ብፁዕ ኣቡነ ዮሐንስ ነቲ ቅድሚ ዓሠርተ ዓመት ዝመርሕዎን ሕጂ ውን ምስ ሃገረ ስብከት ድባርዋን ከባቢኣን ኣጣሚሮም ክመርሕዎ ብቅዱስ ሲኖዶስ ተዋሂብዎም ዘሎ ሃገረ ስብከት ጋሽ ባርካ ብምብጻሕ ብዛዕባ ልምዓት ቤተ ክርስቲያንን፡ ሓድነት ቤተ ክህነትን፡ ዕብየት ኣገልገልትን፡ ምጥንኻር ትምህርቲ ሰንበትን ፡ ስብከተ ወንጌልን፡ ጉስነት ምእመናንን ምእመናትን . . ወዘይመስሎ ንምልዛብን ኣባታዊ ምኽሮምን ምዕዳኦምን ንምሃብን እዩ። ካብ ድባርዋ ተበጊሶም ብኣሥመራ ኃሊፎም ከረን ድኅሪ ምኅዳር ጕዕዞኦም ናብ ኣቑርደት ቀጸሉ። ናብ ቤተ ክርስቲያን ኪዳነ ምሕረት ብምኻድ ‘ሰላም ለኪ’ ኢሎም ጸሎተ ሠርክ ድኅሪ ምብጻሕ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ንኡስ ሃገረ ስብከት ኣቑርደት ኣቕኒዖም።

ድኅሪ’ዚ ብፁዕ ኣቦና፡ ኣብ ኣቑርደት ኃዲሮም ጕዕዞኦም ናብ ባረንቱ ኣቕንዑ።

ቀጥታ ናብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ብምኻድ ሰዓት ሓደ ድኅሪ ቀትሪ ‘ቅዱስ’ ኢሎም ዋዜማ ጀሚሮም፡ ሰዓት 6፡00 ድ.ቀ. ብጸሎት ዓደውዎ። ለይት’ውን ነቲ ዝኃደረ ማኅሌት ብጸሎትን ብዕጣንን ከገልግሉ ድኅሪ ምኅዳር ሰዓት 10 ቅ.ቀ. ምስ ኮነ ታቦት ዓጂቦም ሥርዓተ ዑደት ኣካዪዶም። ኣብቲ ልዕሊ 2000 ዝኾኑ ምእመናንን ምእመናትን ዝተረኽቡሉ በዓል፡ ነቲ በዓል ዝምልከትን ትምህርቲ ምስ መሃሩ፡ ጸሎተ ቅዳሴ ሠሪዖም ቡራኬ ብምሃብ ነቲ በዓል ፍጻሜ ሃብዎ። ብድኅር’ዚ ናብ ቤት ጽሕፈት ሃገረ ስብከት ጋሽ ባርካ ብምኻድ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክፍልታትን ንኡሳን ሃገረ ስብከታትን ዘሎ ኣገልግሎት ብሰፊሕ ተዘራረቡ።

ብፁዕ ኣቦና፡ ደኺምኒ ከይበሉ ቀዳም ለይቲ ሰዓት 4፡00 ቅ.ቀ. ጕዕዞኦም ካብ ባረንቱ 35 ኪ.ሜ. ርኂቓ እትርከብ ጐኚ ኣቕኒዖም። ሕዝቢ ጎኚ፡ መቓብር ኣቦታቱ ብውሕጅ ተባሕጕጉ፡ ሬሳታት ብውሕጅ ካብ መቓብር ብምውፅኦም ኣብ ካልእ ልጉስ ቦታ መቓብር ክወሃቦም ሓቲቶም እንተተዋህቦም እኳ ብጳጳስ ስለ ዘይተባረኸ፡ ዝሞቱ ሰባት ናይ 10,000 ሽሕ ናይ 20,000 ሽሕ ናቅፋ ወፃኢ እናገበሩ ሬሳታት ናብ ከበሳ ክልእኩ ከምዝጸንሑ ይፍለጥ። ብፁዕ ኣቦና፡ ምስቲ ሃንቀው ኢሉ ክጽበ ዝጸንሐ ሕዝቢ ጎኚ ሓቢሮም ናብ’ቲ ሓድሽ ዝተዋህበ ቦታ ብምኻድ፡ ሥርዓተ ቅዳሴ ኣብጺሖም ግብእ ሥርዓተ ተቐብኦ ፈጸሙ። ምስ ሰበካ ጉባኤ ርክብ ብምግባር ድማ ምኽርን ማዕዳን ሂቦም ናብ ባረንቱ ተመልሱ።

ብፁዕ ኣቦና፡ ሰንበት 14 ኅዳር ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣቡነ ኣረጋዊ ተረኺቦም ቃለ ምዕዳን ድኅሪ ምሃብ ጸሎተ ቅዳሴ ሠሪዖም ብቡራኬኦም ዓጸውዎ።

በዚ ኸኣ ኣብ ጋሽ ባርካ ሓዋርያዊ ዑደቶም ፈጺሞም ብሰላም ናብ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣሥመራ ተመልሱ።

ዘመነ ዮሐንስ 28 ኅዳር 2012 ዓ.ም.

December
Sunday
8
ዝክር፦ ተዝካረ አብርሃም ይስሐቅ ወያዕቆብ፡ወአባ ሰረባሞን፡ ወሊቃኖስ ዘእም፱ቱ ቅዱሳን። ዘቅዳሴምንባብ፦ ገላ. 3፡1-9። ያዕ. 2፡21-ፍጻሜ። ግብ. ሐዋ.3፡12-17። ምስባክ፦ መዝ. 96/97። ወንጌል፦ ማር. 12፡25-28። ቅዳሴ፦ ዘ፫፻ትግሩም። ***
00:00 h
Ad Right

  

: :
Queue is empty
-- / --

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ቅዱስ ጴጥሮስ ተፍጻሜተ ሰማዕት

ቅዱስ ጴጥሮስ ተፍጻሜተ ሰማዕት ካብቶም ፍርሃት እግዚአብሔር ዝነበሮም፡ውላድ ግና ዘይነበሮም ሊቀ ካህናት ቴዎድሮስን ቅድስት ሶፍያን ኣብ ሃገረ ግብጽ ተወሊዱ። ኣብ በዓል...

ሊቀ መዘምራን ሞገስ ዕቁበ ጊዮርጊስ

“ሊቀ መዘምራን፡ መልኣከ ገነት፡ ደራስን ተመራማርን፡ ኣቦ ሰላም፡ . . . ብዝብል ቅጽል ስም ዝፍለጡ ሓበን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን...

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ኣብ ጉባኤ ማኅበር ኣብያተ ክርስቲያናት…

ካብ 22-26 ታኅሣሥ 2012 ዓ.ም. (2-6/12/2019 ዓ.ም.ፈ) ኣብ ሃገረ ኬንያ ከተማ ናይሮቢ ዝተቓንዐ ጉባኤ ማኅበር ኣብያተ ክርስቲያናት መላእ ኣፍሪቃ (ALL...

ሥልጠና ተሓጋገዝቲ ሰበኽቲ ወንጌል ተዋሂቡ!

ካብ 15-23 ኅዳር 2012 ዓ.ም. ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንን ሜላ ስብከተ ወንጌልን ዘተኮረ ሥልጠና  {tip title="ተሓጋገዝቲ ሰበኽቲ ወንጌል" content=""}ንተሓጋገዝቲ ሰበኽቲ...

ብፁዕ ኣቡነ ዮሓንስ ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓዲ ፈለስቲ ሰፍኣ…

ብዕለት 20 - 21 ኅዳር 2012 ዓ.ም.ግ. ብፁዕ ኣቡነ ዮሓንስ ሊቀ ጳጳስ ኣህጉረ ስብከታት ጋሽ ባርካን ድባርዋን ከባቢኣን ናብታ ካብ...

“ሰማዕት ቅዱስ ፒሉፓዴር መርቆሬዎስ”

ፒሉፓዴር ማለት ፈታዊ ኣቦ ማለት እዩ፡ ብኻልኣይ ትርጕሙ ከኣ ኣገልጋሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ከምኡ’ውን መርቆሬዎስ ማለት እዩ። ስመ ክርስትና ናይ ኣቦኡ...

ዕሥራን ኣርባዕተን ካህናተ ሰማይ

ብርግጽ ኣብ ዙርያ ዝፋን ጐይታ ዚቖሙን ዘመስግኑን ክቝጸሩ ዘይከኣሉ ኣእላፈ ኣእላፋት ሠራዊተ መላእክት ከምዘለዉ በዓል ራእይ ነቢይ ዳንኤል(ዳን. 7፡10) ደኣ...

እምነ ሰሎሜ

ወለዲ እዛ ቅድስቲ ኣደ እዚኣ ኣቦኣ ሕይወትብነ፡ ኣዲኣ ከኣ እምባመሪና ይበሃሉ። እዞም ቅዱሳን ሰብ ቃል ኪዳን ውላድ ብምስኣኖም ብጸሎት ንእግዚኣብሔር...

ዓመታዊ ክብረ በዓል ኅዳር ጽዮን 2012 ዓ.ም ብክብ ዝበለ ድምቀት…

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ብብዝኂ ዓበይትን ናኣሽቱን በዓላት እተኽብረላ ወርኂ ኅዳር እያ። ብስፍሓትን ዕብየትን ዝብዓለሉ...

ብፁዕ አቡነ ዮሐንስ ሊቀ ጳጳስ ኣህጉረ ስብከታት ጋሽ ጋርካን ድባርዋን…

ዕለት 9 ኅዳር ክሳዕ 14 ኅዳር 2012 ዓ.ም. ዝተቓንዐ ሓዋርያዊ ጉዕዞ፡ ብፁዕ ኣቡነ ዮሐንስ ነቲ ቅድሚ ዓሠርተ ዓመት ዝመርሕዎን ሕጂ...

ኅዳር ጽዮን

ተኣምር ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ ዝነግር መጽሓፍ ‘ተኣምረ ማርያም’ ከምዝገልጾ፡ ነቶም ዝኽበሩ 33 በዓላት ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ክንፈቅድ...

ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ካልኣይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን…

ኣብ ዕሥራ ክፍለ ዘመን ብሩህ ኮከብ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዘምድረ አግዓዚ ዝኾኑ ብፍሉይ ካብ ዝዝከሩ ኣቦታት ሓደ ብፁዕ ወቅዱስ...

  

latest articles

Fast of the Prophets (Advent)

15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

FASTING

Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...

Holy of Holies Our Lady, the virgin Mary

The word holy (kidus) in Geez denotes being special, pure and esteemed. This prefix is an attribute to denote the...

HOLY SCRIPTURES (part one)

All Scriptures are written with the inspiration of the Spirit of God or the breath of God. They are also...

EXISTENCE OF GOD

The name God signifies the Divine Being, meaning He who created the world and governs it. There is one invisible...