Print this page

ዓመታዊ ክብረ በዓል ኅዳር ጽዮን 2012 ዓ.ም ብክብ ዝበለ ድምቀት ተኸቢሩ!

Dec 02, 2019

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ብብዝኂ ዓበይትን ናኣሽቱን በዓላት እተኽብረላ ወርኂ ኅዳር እያ። ብስፍሓትን ዕብየትን ዝብዓለሉ ሃገረ ስብከትን ኣድያማተ ስብከትን ድማ ንበዓለ ኅዳር ጽዮን ዝዳረጋ የሎን። እዚ ክብረ በዓል ታቦተ ሕጉን፡ ዕብየትን ቅድስናን ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዝበዓለሉ በዓል፡ ሎሚ ዓመት’ውን ኣብ ኵለን ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስቲያን ብስብሐተ ማኅሌትን ጸሎተ ሰዓታትን ውዳሴን ቅዳሴን ብድሙቅ ሥርዓትን ትውፊትን ባህልን ተኸቢሩ።

ብፍላይ ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን፡ ዓቃቤ መንበር ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ፡ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ፡ ኣበምኔታት ገዳማት ኤርትራ፡ ኣካላት መንግሥትን፡ ኃለፍቲ ክፍልታት መንበረ ፓትርያርክ፡ ኣመኃደርቲ ኣብያተ ክርስቲያን፡ ሊቃውንት መዘምራን፡ ብኣማኢት ዝቍጸሩ ውሉደ ክህነትን፡ ብኣሽሓት ዝቍጸሩ ምእመናንን ምእመናትን ብዘማእከልዎ ደሚቑ ተባዒሉ።

ብመሠረት መርሐ ግብር፡ ቀዳም 20 ኅዳር ካብ ፍርቂ መዓልቲ ክሳብ ሠርክ ዋዜማ ስብሐተ እግዚአብሔር በጺሑ። ቀጺሎም ሊቃውንት መዘምራን ካብ ሰዓታት ምሸት ጀሚሮም ክሳዕ ሰዓት 5፡00 ቅ.ቀ ስብሐተ ማኅሌት ምስ ቆሙ፣ ብለባስያን ተኣምረ ማርያምን ጸሎተ ኪዳንን በጺሑ። ካብ ሰዓት 6፡00 ቅ.ቀ ክሳዕ 9፡00 ቅ.ቀ ኣብ ዘሎ ጊዜ ጸሎተ ቅዳሴ ምስ ተፈጸመ፡ ታቦተ ሕጉ ኣብ ውሽጥን ካብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ወፃእን ልብሰ ተክህኖ ተኸዲኖም፡ ማዕጠንት መስቀል ሥእለ ኣድኅኖን ብዝኃዙ ውሉደ ክህነት፡ ያሬዳዊ ዜማ ብዘሸብሽቡ ሊቃውንትን ከምኡ’ውን ብተማሃሮ ትምህርተ ሰንበትን ብኣሽሓት ዝቍጸሩ ምእመናትን ምእመናንን ተዓጂቡ ድኅሪ ምዛሩ ኣብ ዓውደ ምሕረት ቆመ።

ቀጺሎም ንክብሪ ታቦተ ሕጉ ፈለገ ጥበብ ዝኾኑ ሊቃውንት ምስ’ቲ በዓል ዝሰማማዕ “ጽላት ዘሙሴ ዕፀ ጳጦስ ዘሲና ጸናጽል ዘውስተ ልብሱ ለአሮን ካህን”፣ “ዘእንበለ ይትፈጠር ሰማይ ወምድር . . . ሀለወት ስብሕት ቅድስት ወቡርክት ይእቲ ማርያም” እናበሉ ንሕልና ናብ ሰማይ ዝምስጥ ያሬዳዊ መዝሙር ኣቕሪቦም።

ኣስዒቦም ተማሃሮ ትምህርቲ ሰንበት፡ ነቲ በዓል ዝገልጽ ተስፋ ዘስንቅ ሠለስተ መዛሙር ከቕርቡ ከለው፡ ኃላፊ ስብከተ ወንጌል ዘመንበረ ፓትርያርክ መሪጌታ ስምዖን በየነ ድማ ካብ መዝሙር 86፡5 “እምነ ጽዮን ይብል ሰብእ/ሰብ ኣዴና ጽዮን ይብል” ብዝብል መሪሕ ኃይለ ቃል ፍጻሜ ታሪክ ብምጥቓስ ንኃይልን ትእምርትን ታቦተ እግዚአብሔር ኣብ ዘመነ ብሉይን ሓዲስ ኪዳንን ገሊጾም። ኣብ ትምህርቶም፦ “ኣብ ታቦተ ሕጉ ዝተጻሕፉ ትእዛዛተ እግዚአብሔር ብምኽባር ንቤተ ክርስቲያን ሰላም ንሃገር ሐድነት ክህበና ካብ ክብሪ ገዛእ ርእስና ክብሪ እግዚአብሔርን ክብሪ ቅዱሳኑን ቅዱስ ሕጉን ብምሕላው ብጸሎትን ጾምን ክንተግህ ይግብኣና። ንጸላእትና ንስዕረላ ንፍርሓትና ናብ ትብዓት ንቅይረላ ኣማናዊት ታቦት ወላዲተ ቃል ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምስጋናናን ውዳሴናን ይብጽሓያ” ብምባል ትምህርቶም ፈጺሞም።

ኣብ መወዳእታ ብመምህር ፊልሞን ተከሥተ ኣብዚ ደብሪ ንኣርባዕተ ዓመት ኣብ ናይ ኣቋቋም ጉባኤ ክምሃሩ ዝጸንሑ 22 ደቀ መዝሙርት ብዓቃቤ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ትምህርቶም ከም ዘጠናቀቁ ዝገልጽ ምስክር ወረቐት ተዓዲሉ።

ኣብ መፈጸምታ ቡራኬ ብብፁዓን ኣቦታት ምስ ተዋህበ ብጸሎት ምህላ ተዓጂቡ ታቦት ናብ መንበረ ክብሩ ተመሊሱ። በዚ ድማ ፍጻሜ ናይ’ቲ በዓል ኮነ።