Print this page

ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ኣብ እስራኤል ብዘጋጠመ ኵነታት ቃለ ምጽንናዕ ሂቡ!

Dec 13, 2019

ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ነቲ ብዕለት 23 ኅዳር 2012 ዓ.ም. (03 ታኅሣሥ 2019 ፈ.) ዘጋጠመ ኵነታት ኣዝዩ ዘሰንብድን ልቢ ዝትንክፍን ፍጻሜ፣ ትእዛዛት እግዚአብሔር ዝጥሕስን ክብሪ ቤተ ክርስቲያን ዝግህስን ተግባር ከምኡ’ውን ዕላማን ተልእኾን ፈጸምቱ ፍጹም ሰይጣናዊ ምዃኑ ብግልጺ ዘርኣየን፡ ነቲ ቅዱስ መካንን ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያንን መጋበርያ መናፍቃውን ሥጋዊ ድሌታቶምን ክገብሩ ብዝደልዩ ኣዕይንተ ልቦናኦም ብዝዓወረ ኣጻራር ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጸመ ብምዃኑ ከምዝኰነኖ ገሊጹ።

ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ መግለጺኡ ዝተሰምዖ መሪር ኃዘን ብምግላጽ ንዝሞተ ዕረፍቲ ነፍሲ፣ ብከቢድ ንዝተጐድአ ሕውየት ብሓፈሻ ንኵሎም ግዳያት ምሕረትን ጽንዓትን ክህብ ብጸሎት ናብ እግዚአብሔር ከምዘመልከተ ጠቒሱ።

ብፍሉይ ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ ናብ ሰበካ ጉባኤ ቅድስት ማርያምን መድኃኔ ዓለምን ቤተ ክርስቲያን (ቴል ኣቪቭ - እስራኤል) ኣብ ዘኅለፎ መልእክቱ ድማ “ንኵሉ በብጊዜኡ ከጋጥመኩም ዝጸንሐ ተጻብኦታት ብትዕግሥቲ ድኅሪ ምስጋርኩም፣ ሕጂ ከኣ ብምኽንያት ርትዕትን ሓዋርያዊትን እምነትኩም ከምኡ’ውን ኣብ ቅዱስ ሲኖዶስ ብዘሎኩም ጽንዓት ዝወረደኩም ፈተና ብምዃኑ፣ እግዚአብሔር ኣምላኽ ጸጋኡን ረድኤቱን ከብዝኃልኩም ጸሎትና ምዃኑ ንገልጸልኩም። ስለ ርቱዕ ሃይማኖት እትቐበልዎ መከራ፡ ብሥጋ ከቢድ እኳ እንተኾነ፡ ብመንፈስ ግና ኣብ ሰማይ ዘይጠፍእ ዓስቢ ዘለዎ ብምዃኑ ከምቲ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ዝበሎ ክትሕጐሱ ነዘካኽር። ደጊምና ንዅሎም ግዳያት ምጽንናዕን ምሕረትን እናለመንና፣ ኣብ ልዕሊ ነዚ እኩይ ተግባር ዚፈጸሙን ዚለኣኹን ከኣ ቅዱስ ሲኖዶስ ከቢድ መንፈሳዊ ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ኣቐዲሙ የፍልጥ።” ብምባል ቃል ምጽንናዑ ዛዚሙ።