Print this page

ክብረ በዓል ጻድቅ አቡነ መርቆሬዎስ 16 ታኅሣሥ ብድምቀት ተኸቢሩ!

Dec 28, 2019

ክብረ በዓል ኣቡነ መርቆሬዎስ ኣብ ገዳም ደብረ ድማኅን ብስሞም ኣብ ዝጽዋዕ ቤተ ክርስቲያን (ዓዲ ስሄል)፦ ብፁዓን ጳጳሳት፡ ኣቦታት ገዳማውያንን፡ መምህራን ሊቃውንት፡ ኣገልገልቲ ውሉደ ክህነት፡ ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ኃሙስ 16 ታኅሣሥ 2012 ዓ.ም. ብድምቀት ተኸቢሩ።

ካብ ብድሮኡ ዝጀመረ ስብሐተ እግዚአብሔር ክሳዕ’ቲ ዕለተ በዓል ዝፍጸም ብንቕሓትን ተመስጦን በጺሑ። ብጸሎተ ሰዓታት ኣቦታት ገዳማውያን፣ ብማኅሌት ሊቃውንት መዘምራን፣ ምእመናንን ምእመናትን’ውን ብውዳሴን ጸሎተ ምህላን ንእግዚአብሔር ኣመስጊኖምን ለሚኖምን፣ ብናይ ጻድቅ ኣቡነ መርቆሬዎስ ጸሎት ድማ ተማሕፂኖም።

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ሲሄል ብፁዕ አቡነ ጴጥሮስ ዓቃቤ መንበርን ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስን ከምኡ’ውን ኣብ ገዳሞም ደብረ ድማኅ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክ ዝተመርሑ ሊቃውንት መዘምራን፣ ምእመናንን ምእመናትን ብዓቢይ ክብሪ ዓጂቦም ዑደተ ታቦት ገይሮም።

ንእግዚአብሔር ዘመስግንን ንጻድቅ ኣቡነ መርቆሬዎስ ዝጠቕስን ያሬዳዊ ዜማ ክቐርብ ከሎ ነቲ ዕለት ዝምልከት ስብከተ ወንጌል ብመምህራን ተዋሂቡ።

ብድኅር’ዚ ካብ ሰዓት 12፡00 ክሳዕ 3፡00 ድ.ቀ. ጸሎተ ቅዳሴ ምስ ተሠርዐ ናይቲ ክብረ በዓል ፍጻሜ ኮነ።

ኵሉ’ቲ ናይዚ በዓል ተሳተፊ ዝኾነ ድማ ጸበሎም ተለኽዩ፡ ጸሎቱ ኣብጺሑን መብፅዓ ኣትዩን ነናብ ቤቱ ብበረኸት ተፋንዩ።

ኣብዚ ዕለት’ዚ ብስሞም ኣብ ዝተጸውዐ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ዓዲ ስሄል (ኣሥመራ)፡ ካብታ ዕለት’ቲኣ ደብረ ምሕረት አቡነ መርቆሬዎስ ቤተ ክርስቲያን ተባሂሉ ክጽዋዕ ብፁዓን ኣቦታት ወሲኖም። ብተወሳኺ ድማ ናይቲ ቤተ ክርስቲያን ኣቦ መንበር ዝርከቦም መምህርንን ካህናትን ድማ ስመ መዓርግ ሂቦም።

እዚ ዕለት’ዚ ቅዱሳን ዋላ እኳ ሰብ እንተኾኑ በቲ እግዚአብሔር ዝሃቦም ጸጋ ቅድስና ክሳብ ክንደይ እግዚአብሔር ኣብ ሰባት ክብረ ሞገስ ከምዘውህቦምን ቃል ኪዳኖምን ዝኽሮምን ንዘለዓለም እናተዘከረ ከም ዝነብር ዝተረጋገጸሉ እዩ።