Print this page

‘ንጥፈታት ትምህርተ ሰንበትን ተሳትፎ ውሉደ ክህነትን’ ዘተኮረ ጉባኤ ተቓኒዑ!

Dec 30, 2019

18 ታኅሣሥ 2012 ዓ.ም. ኣብ ኣዳራሽ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኵሎም ላዕለዎት ኣካላት ቤተ ክርስቲያን ዓቃቤ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ፡ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ፣ ኃለፍቲ መንፈሳውያን ክፍልታት ዘመንበረ ፓትርያርክ፡ ካብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ሊቃነ መናብርት ኣብያተ ክርስቲያንን ክልተ ካህናትን ክልተ ዲያቆናትን፣ ናይ ሃገረ ስብከታት መራሕቲ ሥራሕን ሰባክያነ ወንጌልን ኃለፍቲ ትምህርተ ሰንበትን ብሓፈሻ ልዕሊ 70 ዝተረኽቡሉ ጉባኤ ተቓኒዑ።

እቲ ጉባኤ ብጸሎት ብፁዓን ጳጳሳት ምስ ተኸፍተ፡ ስብከተ ወንጌል ብመሪጌታ ስምኦን በየነ ተዋሂቡ።

ቀጺሎም ኃላፊ ክፍሊ ትምህርት ሰንበት ዘመንበረ ፓትርያርክ ቀሲስ ተኽሎም ተስፋልደት ብዛዕባ ክልው ኵነታትን ንጥፈታትን ፈተናታትን ትምህርተ ሰንበት ከምኡ’ውን ኣበርክቶ ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያንን ተሳትፎ ውሉደ ክህነትን ዘረድእ መግለጺ ድኅሪ ምሃብ ሸሞንተ መዛተዪ ኣርእስታት ናብ ጉባኤ ኣውሪዶም።

ተጋባእቲ ድማ በብጉጅለ ኮይኖም ብዝርዝርን ብንቁሕ ተሳትፎን ምስ ዘተዩ ሓባራዊ መግለጺ ኣቕሪቦም።

ኣብ መወዳእታ ኃላፊ ክፍሊ ትምህርተ ሰንበት ዘመንበረ ፓትርያርክ ቀሲስ ተኽሎም ተስፋልደት፡ ኣብ ትምህርተ ሰንበት ዘሎና ሕቶታት ዝምልስ ከምኡ’ውን ንትምህርተ ሰንበት ዘዕብን ዘስፍሕን ሥርዓተ ትምህርቲ ይዳሎ ስለዘሎ ኵልና ክንሳተፍ ይግባእ ክብሉ ከለዉ ብፁዓን ጳጳሳት ድማ ንዘለዋ ኣብያተ ትምህርተ ሰንበት ከነተባብዐንን ከነጽንዐንን ከምኡ’ውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልል ቤተ ክርስቲያን ሓደስቲ ኣብያተ ትምህርተ ሰንበት ዝኽፈተሉ መንገዲ ክንጸርግ ይግባእ” ብምባል ምዒዶምን ቃለ ቡራኬ ሂቦምን።

ኣብ ኤርትራ ልዕሊ 132 ኣብያተ ትምህርተ ሰንበት ከም ዘለዋ ይፍለጥ።