ክብረ በዓል መልአከ ብሥራት ቅዱስ ገብርኤል ብድሙቕ መንፈሳዊ መደባት ተኸቢሩ!

Dec 30, 2019

19 ታኅሣሥ 2012 ዓ.ም.ግ ንኡስ በዓል ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ ብርሃን” ምስ ክብረ በዓል ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ኣብ ኵለን ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያን ክኽበር ከሎ፡ ብፍሉይ ግና ኣብ ደብረ ብሥራት ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኣኽርያ ብድሙቕ መንፈሳዊ መደባት ተባዒሉ!

ሊቃውንት መምህራን ካብ ድሮ እቲ ዕለት ብዋዜማ ጀሚሮም ክሳብ ወጋሕታ ብድሙቕ ስብሐተ ማኅሌት ከመስግኑ ኃዲሮም።

ብዐቃቤ መንበር ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብፁዕ አቡነ ጴጥሮስ ዝተመርሐ ጸሎተ ቅዳሴ ምስ ተሠርዐ ታቦት ብብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ፡ ወርቂ መስቀልን ማዕጠንትን ብዝኃዙ ውሉደ ክህነት፡ መምህራን ሊቃውንት፡ መንእሰያት ትምህርተ ሰንበትን ምእመናንን ምእመናትን ተዓጂቡ ካብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ወፃኢ ዘይሩ ኣብ ዝተዳለወሉ ዓውደ ምሕረት ቆመ።

ብሠለስተ ተማሃሮ ተመረቕቲ ዜማ ኣቋቋም ምስቲ በዓል ዝሰማማዕ ለዘብ ምስ ቀረበ፡ “ወእንዘ ትፈትል ወርቀ ወሜላተ አስተርአያ ገብርኤል ግብተ፡ ወይቤላ እስመ ረከብኪ ሞገሰ በኀበ እግዚአብሔር/ ወርቃዊ ሃሪ እናፈተለት ገብርኤል መልአክ ተራእያ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላክ ሞገስ ረኺብኪ ኢኺ እሞ ደስ ይበልኪ ድማ በላ” እናበሉ ኣሸብሺቦም።

ካብዚ ቀጺሎም መዘምራን መንእሰያት ተማሃሮ ትምህርተ ሰንበት ከም መሰጋገሪ መደብ “ዘርግሕ ቅልጽምካ ኣብ ልዕሌና ጓስየና ብበትሪ መስቀልካ ” እናበሉ ምስ ዘመሩ መንፈሳዊ ተዋሥኦ ብመንእሰያትን ሕፃናትን ጊዜኡ ሓልዩ በብተራ ንተሳተፍቲ ናይቲ ክብረ በዓል ቀሪቡ።

ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ኃላፊ ክፍሊ ስብከተ ወንጌልን ኣገልግሎት ካህናትን መምህር ዘሚካኤል ፍትዊ “ እቲ ንዅሉ ዓለም ዘብርህ ብርሃን ሓቂ ንሱ ናብ ዓለም መጽአ” (ዮሐ 1፡19) ብዝብል ኃይለ ቃል ሰፊሕ ናይ ዕለት ትምህርቲ ምሂሮም።

ነቶም ትምህርቶም ኣብ ትሕቲ መምህር ኣቋቋም ኣናንያ ኣርኣያ ኮይኖም ብትግሃትን ተወፋይነትን ትምህርቶም ዘጠናቐቑ 13 ተማሃሮ ኣቋቋም ካብ ኢድ ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ ጴጥሮስ ናይ መዛዘሚ ትምህርቶም ምስክር ወረቐት ተዓዲሉ። ተማሃሮ ድማ ነቲ ደኺመ ከይበለ ነቲ ዘለዎ ሞያ ብዘይ ዝኾነ ክፍሊት ብትግሃት ዝመሃረና ሊቀ መዘምራን መምህር ኣናንያ ኣርኣያ፡ ትምህርትና ብዝግባእ ክንከታተል መዕረፊ ዘዳለዉልናን ዝኣለዩናን ሰበካ ጉባኤ ደብረ ብሥራት ከምኡ ድማ ብገንዘቦምን ጉልበቶምን ዝተሓጋገዙና ገበርቲ ሠናይ ዓስብኹም እግዚአብሔር ይሃብኩም ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ ድማ ኣመኃዳሪ ደብረ ብሥራት ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኣኽርያ ቀሲስ ኣብርሃም ንኵሎም ነዚ ክብረ በዓል ብድምቀት ንክኽበር እጃሞም ዘበርከቱ ኣካላትን ትካላትን ገበርቲ ሠናይን ናይ ምስጋና ቃል ምስ ኣስምዑ እቲ ሥነ ሥርዓት ብጸሎትን ምህላን ተዛዚሙ።

ዘመነ ዮሐንስ 24 ግንቦት 2012 ዓ.…

June
Monday
1
ዝርክ፦ ቦአ እግዚእነ ውስተ ምድረ ግብጽ፡ ወዕንባቆም ነቢይ፡ ወአብቍልታ መስተጋድል፡ ወዕረፍቱ ለአልአዛር፡ ወአርከሌድስ፡ ወቲፍላስ፡ ወበዓለማርዩ። ዘቅዳሴምንባብ መልእክታት፦ ፊል. 3፡7-12 1ይጴጥ. 1፡6-12 ግብ. ሐዋ. 12፡20-ፍጻሜ ምስባክ፦ መዝ. 98/99 ወንጌል፦ ዮሐ. 12፡30-34 ቅዳሴ፦ ዘእግዝእትነ ማርያም። * * *
00:00 h
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

‘ወናሁ አነ እፌኑ ተስፋሁ ለአቡየ ላዕሌክሙ/ እንሆ ኣነ ተስፋ ኣቦይ ክሰደልኩም…

ተስፋ ማለት ነቲ ዘይርአ ከም ዝርአ፡ ነቲ ዘየሎ ከምዘሎ፡ ነቲ ዘይኸውን ድማ ከምዝኸውን ጌርካ ብእምነት ንእግዚአብሔር ምጽባይ እዩ። ተስፋ ሓንቲ...

ደብረ ምጥማቅ (21-25 ግንቦት)

ደብረ ምጥማቅ  ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣደኡ ቅድስት ድንግል ማርያም ናብ ምድረ ግብጽ ምስ ተሰደ በኪደተ እግሩ ካብ ዝረገጸን ቦታታት...

"ናብ ሰማይ ዓረገ " ማር. 16፡19

  ዓመት መጸ ብዓቢይ መንፈሳዊ ኽብሪ ካብ እነኽብሮም ዓበይቲ በዓላት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ሓደ በዓለ ዕርገት እዩ። ጐይታናን መድኃኒናን...

ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ 

'ኣብ ወርኂ ታኅሣሥ ዕለቱ ሰኑይ፡ ሰዓቱ ሰዓት ፫ተ ብግዕዝ (9ተ)፡ ኣብ ቅድሚ ታቦተ ጽዮን ኣክሱም ደው ኢሉ ድምፁ ዓው ብምባል...

“ተዘከረኒ እግዚኦ አመ ትመጽእ በመንግሥትከ።/ ጐይታይ ብመንግሥትኻ ክትመጽእ ከሎኻ ዘክረኒ።”…

እቲ ብየማን ጐይታ ተሰቒሉ ዝነበረ ሽፍታ (ፈያታዊ ዘየማን)፡ ደመ ማኅተምን መርኆ ድኅነትን ተዋሂቡ ንኣቦና ኣዳም ቀዲሙ ናብ ገነት ከምዝኣተወ ቅዱሳት...

“ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ቅድሚ ዓለም ምፍጣሩ ኣብ ሕሊና ኣምላኽ…

እዚ ቓል’ዚ ኣብ መቅድም ተኣምረ ማርያም ዝርከብን ወትሩ ዝንበብን ኮይኑ፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ ቅድሚ ንዓለም ምፍጣሩን ዘመን ምቝጻሩን፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል...

ቅዱስ ኣትናቴዎስ

ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ከምዝሕብሮ፡ ድኅሪ ዘመነ ሓዋርያት ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ኣብ ዝተፈላለየ ዘመናት ብደገ ብዓላውያን ነገሥታት፡ ብውሽጢ ድማ ብናይ ጽርኣውያን...

ርክበ ካህናት

“ርክበ ካህናት” ማለት ናይ ካህናት መራኸቢ፡ ጉባኤ፡ መተኣኻኸቢ፡ መዛተዪ . . . ወዘይመስሎ ዝብል ትርጕም ኣለዎ። ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ዓመታዊ...

ናባይ ንዑ፡ ኣነ ኸኣ ከዕርፈኩም እየ! (ማቴ. 11፡28)

ክታብ ካብ ኣልፋ ወዖ እግዚአብሔር ኣምላኽ! ኣኽቢረ ብኣርኣያይን ብኣምሳለይን ዝፈጠርክኹም ደቀይ! ቅድሚ ኵሉ ሰላመይ ምስ ኵላትኩም ይኹን! ቅድሚ ሕጂ ብዙኅ ደብዳቤታት ሰዲደልኩም...

አሥርቆት ዘወርኀ ግንቦት

ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ ግንቦት ያብጽሐነ እስከ ወርኀ ሰኔ በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ ግንቦት ቡሩክ መዓልቱ ፲ወ፬ቱ ሰዓት ወእምዝ ይትዌስክ። ሎሚ...

ባሕቲ ግንቦት፡ ልደተ ማርያም

ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ኣብ ሕሊና ኣምላኽ ዝነበረት፣ ገና ከይተወልደት ትንቢት ዝተነግረላ፡ ሱባኤ ዝተቘጽረላን ምሳሌ ዝተመሰለላን እያ። ሊቀ...

ዮም ፍሥሐ ኮነ በእንተ ልደታ ለማርያም/ ሎሚ ብልደት ቅድስት ድንግል…

ልደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሃንደበታዊ ኣይኮነን። ካብ ፅንሰታ ክሳዕ ልደታ ኵሉ መስተንክር እዩ። ትንቢት ዝተነግረሉ፡ ሱባዔ ዝተቘጽረሉ፡ ምሳሌ ዝተመሰለሉ...

  

latest articles

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...

Fast of the Prophets (Advent)

15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

FASTING

Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...