Print this page

ዓመታዊ 24 ታኅሣሥ ክብረ በዓል አቡነ ተክለሃይማኖት ብምዕሩግ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ!

Jan 03, 2020

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ብኣማላድነትን ተራዳእነትን ጻድቅ ኣቡነ ተክለ ሃይማኖት እናተማኅፅነት ዓመታዊ 24 ታኅሣሥ፡ 24 ነሐሴ ብድሙቕ ሥነ ሥርዓትን ሰፊሕ መርሐ ግብርን. . . ተኽብር።

ሎሚ ዓመት’ውን 24 ታኅሣሥ፡ ብስም ኣቡነ ተክለሃይማኖት ዝተሰየማ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ክዝከር ከሎ፡ ኣብ ደብረ ፀሓይ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ኃዝኃዝ ድማ ብፁዓን ጳጳሳትን ገዳማውያንን፡ ብዙኃን ሊቃውንት መዘምራንን ውሉደ ክህነትን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ተባዒሉ። ካብ ዋዜማ (1፡00 ድ.ቀ.) ክሳዕ ዕለቱ (3፡00 ድ.ቀ.) ብያሬዳዊ ዜማን ውዳሴን ቅዳሴን ‘ኦ ኣቦና ተክለ ሃይማኖት ናብ እግዚአብሔር ጸሊኻ ምሕረትን ሥርየት ኃጢኣትን ኣውህበና . . .’ዝመልእኽቱ ጸሎት ቀሪቡ።

ኣብዚ ብፁዕ አቡነ ጴጥሮስ ዓቃቤ መንበር፡ ብፁዕ አቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክን ዝተሳተፍሉ ክብረ በዓል፦ ዝግባእ ስብሐተ እግዚአብሔር ክበጽሕን ስብከተ ወንጌል ክወሃብን ከሎ፡ ዑደተ ታቦት ተኻይዱን ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑን ውዒሉ።

ከምዝፍለጥ 24 ታኅሣሥ፡ ጻድቕ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ካብ ኣቦኦም ካህን ጸጋዘአብን ኣደኦም እግዚእኃረያን ብ24 መጋቢት ተፀኒሶም ዝተወልድሉ ዕለት እዩ። ‘ኅሩይ እምከርሠ እሙ’ ስለዝኾኑ ኸኣ ካብ ዝውለዱ ኣብ ሣልሳይ መዓልቶም፡ ‘አሐዱ አብ ቅዱስ፡ አሐዱ ወልድ ቅዱስ፡ አሐዱ ውእቱ መንፈስ ቅዱስ’ ኢሎም ኣመስጊኖም። ድኅሪ ናይ ነዊኅ ዓመታት ጽኑዕ ተጋድሎ ድማ ካብ እግዚአብሔር ቃል ኪዳን ተቐቢሎም ኣብ 24 ነሐሴ ከም ዝዓረፉ መጽሓፈ ገድሎም ይገልጽ።