ክብረ በዓል ገዳም ደብረ ወርቅ ኣቡነ ሊባኖስ ብዓቢይ ኽብሪ ተባዒሉ!

Jan 13, 2020

“ደቂቅየ ወደቂቅክሙ ኢይትጓነዩ በበዓልየ ወበዓልክሙ/ ኣብ በዓለይን በዓልኩምን ደቀይን ደቅኹምን ኣይፈላለዩ”

ጻድቅ ኣቡነ ሊባኖስ ኣብ መፋርቅ 4ይ ክፍለ ዘመን ካብ ቁስጥንጥንያ መጺኦም ካብ ዝመሥረትዎ ገዳም ሓደ ዝኾነ ደብረ ወርቅ ሃም፡ ዓመት መጸ ንዘብዕሎ ዝክረ ዕረፍት ኣቡነ ሊባኖስ ሎሚ ዓመት ‘ውን ካብ ውሽጢ ሃገርን ካብ ገዳማት ኢትዮጵያን ዝመጹ ብዙኃን ነጋድያን ኣብ ዝተረክብሉ ብኽብሪ ተባዒሉ።

ብድሮ 2 ጥር ሰዓት 1፡00 ድ.ቀ ክሳዕ ሰዓት 5፡00 ድ.ቀ ዋዜማ ስብሐተ እግዚአብሔር ክበጽሕ ከሎ ካብ ምሸት 9፡00 ድ.ቀ. ኣብ ዝጀመረ ስብሐተ ማኅሌትን መዝሙር ዘሰንበትን ድማ ሊቃውንት መዘምራን ንእግዚአብሔር ዘመስግን ንአቡነ ሊባኖስ ዝውድስ ብሰቂለ ሕሊና ክሳዕ ወጋሕታ ኣብጺሖም።

ብድኅር’ዚ ብመሪሕነት መምህር ኣባ ዘሊባኖስ ተስፋዬ ኣብ መንበረ ፓትርያርክ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ጸሓፊ ጉዳይ ገዳማት ‘ቅዱስ እግዚአብሔር . . . ’ ብምባል ጸሎተ ኪዳን በጺሑ። ብምቕጻል’ውን ካብ ደብረ ዳሞ አቡነ ኣረጋዊን ገዳም ኣባ ሳሙኤል ዘዋልድባን ዝመጹ መነኮሳት ‘ተኣምረ ማርያም’ ተነቢቡ።

ጸሎተ ቅዳሴ ምስ ኣኸለ ድማ ሰዓት 5፡00 ቅ.ቀ. ብኣበ ምኔት ደብረ ዳሞ ኣቡነ ኣረጋዊ ዝኾኑ መምህር ገብረጻድቃን ዝተመርሐ ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑ። ብሕይወተ ሥጋ ኣቡነ ሊባኖስ ምስ ኣቡነ ኣረጋዊ ከለው “ደቂቅየ ወደቂቅክሙ ኢይትጓነዩ በበዓልየ ወበዓልክሙ/ ኣብ በዓለይን በዓልኩምን ደቀይን ደቅኹምን ኣይፈላለዩ” ኢሎም ብዝኣተውዎ ቃል መሠረት፡ ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ገዳማት ኣዝዩ ጥቡቅ መንፈሳዊ ርክብን ኅድሪ ቅዱሳን ኣቦታቶም ብምህላው፡ ደቂቀ ኣቡነ ሊባኖስ ኣብ ክብረ በዓል ኣቡነ ኣረጋዊ ክቅድሱ ከለው፡ ደቂቀ ኣቡነ ኣረጋዊ ድማ ኣብ ቅዳሴ ኣቡነ ሊባኖስ እዮም ዝቅድሱ። ከም መርኣያ ናይ’ዚ ድማ ኣብዚ ክብረ በዓል’ዚ መምህር ገብረጻድቃን ምስ 10 መነኮሳያት ገዳም ደብረ ዳሞ ብኣካል ተረኺቦም ሥርዓተ ቅዳሴ ሠሪዖም። ኣቐዲሞም’ውን ብኣበምኔት ገዳም ደብረ ወርቅ ኣቡነ ሊባኖስ መምህር ገብረ ሥላሴ ዝተመርሑ ገዳማውያን ኣብ ክብረ በዓል አቡነ አረጋዊ ደብረ ዳሞ ተሳቲፎም ከምዘቐደሱ ይዝከር እዩ።

ድኅሪ ጸሎተ ቅዳሴ፡ ታቦት ካብ መንበሩ ተላዒሉ ሥርዓተ ዑደት ተገይሩ ኣብ ዝተዳለወሉ ቦታ ምስ ቆመ፡ ሊቃውንት መዘምራን “ወተቀበልዎ መላእክት፡ አብእዎ ኢየሩሳሌም/ መላእክት ተቐቢሎም ናብ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ኣእትዮሞ” እናበሉ ጣዕመ ዜማ ኣስሚዖም። ኣስዒቦም ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጹ ሰባኬ ወንጌል መምህር ኣባ ተስፋማርያም፦ “ ጻድቅሰ ከም በቀልት ይፈሪ፡ ወይበዝኅ ከም ዘግባ ዘሊባኖስ ትኩላን እሙንቱ ውስተ ቤተ እግዚአብሔር” ብዝብል ኣርእስቲ ነቲ ዕለት ዝምልከት ሰፊሕ ትምህርቲ ምሂሮም።

ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳንን ዝሃብዎ ቡራኬን፡ ብፍላይ መንእሰያት ኣብ ሃይማኖቶም ክጸንዑ፡ ብሥነ ምግባር ክተግሁ፡ ወለዶምን ቤተ ክርስቲያኖምን ሃገሮምን ከፍቅሩ ምዒዶም።

ድኅር’ዚ ኵሉ ሕዝበ ክርስቲያን ስለ ሰላም ቤተ ክርስቲያንን ኵሉ ዓለምን ብእግዚኦታ ጸሎተ ምህላ ምስ ኣዕረገ፡ ‘ታቦት በውስቴታ ኦሪት በውስቴታ’ እናበሉ ንታቦት ናብ መንበረ ክብሩ መሊሶሞ። በዚ ድማ ሰዓት 9፡00 ቅድሚ ቀትሪ መፈጸምታ ናይቲ መርሐ ግብር ኾይኑ።

ከምዝፍለጥ፡ ፫ ጥር ዕለተ ዕረፍት ጻድቅ ኣቡነ ሊባኖስ ኮይኑ ንልዕሊ 1600 ዓመት ዝበዓል ዘሎ ክብረ በዓል እዩ።

ዘመነ ዮሐንስ 19 ጥር 2012 ዓ.ም.

January
Tuesday
28
ዝክር፦ ርክበተ ሥጋሆሙ ለአባ ብስራ ወዝኁራ ወእሞሙ ኔራ፡ ወበልስጢና፡ ወያፈቅረነ እግዚእ፡ ወቅዳሴ ቤቶሙ ለሰማዕታተ እስና። ዘቅዳሴምንባብ፦ ቆላ. 1፡21-ፍጻሜ። 1ይ ዮሐ. 5፡14-ፍጻሜ። ግብ. ሐዋ. 17፡5-12። ምስባክ፦ መዝ. 17/18 ወንጌል፦ ዮሐ. 10፡34-ፍጻሜ። ቅዳሴ፦ ቅዳሴ ዘ፫፻ት ግሩም። ***
00:00 h
Ad Right

  

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ኤጲፋንያ - አስተርእዮ

‘ኤጲፋንያ’ ዝብል ቃል መሠረቱ ካብ ቋንቋ ግሪኽ ዝተወርሰ ኾይኑ፡- አስተርኣየ፡ ተራእየ፡ ተጋህደ፡ ተገልጸን ተፈልጠን ማለት እዩ።  እቲ ‘ተራእየ፡ ተገልጸ፡ ተጋህደ፡ ተፈልጠ’...

ክብረ በዓል ገዳም ደብረ ደናግል ቅድስት ድምያና ንሣልሳይ ጊዜኡ ብክብ…

13 ጥር ዝኽበር ዕለተ ሰማዕትነት ሰማዕት ቅድስት ድምያና ምስ ኣርብዓ ደቃ ኣብ ገዳም ደብረ ደናግል ቅድስት ድምያና (ገዛ ባንዳ) ብድምቀት...

ሕፃነ ቂርቆስ ወእሙ ኢየሉጣ

እቶም ብምኽንያት ልደት ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ጡብ ኣደኦም ጸጊቦም ዘይጠበዉ ክልተ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ዝኾኑ 144,000 ሕፃናት ብርጉም...

ሰማዕት ቅድስት ድምያና ምስ ኣርብዓ ሰማዕታት ደናግል ሰዓብታ

ሣልሳይ ክፍለ ዘመን ኣብ ምፍጻሙ ሓደ ማርቆስ ዝበሃል ሕያዋይ ክርስቲያን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ግብጺ ናይ ዝርከባ ክልተ ኣውራጃታት ኣማሓዳሪ ነበረ።...

11 ጥር 2012 ዓ.ም. በዓለ ጥምቀት ኣብ ኵለን ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ…

ኣብ ውሽጥን ወፃእን ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ በዓለ ጥምቀት ብድምቀት ክኽበር ከሎ፡ ብደረጃ ሃገር ድማ ኣብ...

እንቋዕ ናብ በዓል ቃና ዘገሊላ ኣብጽሓና!

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብታ ኣብ ዞባ ገሊላ እትርከብ ቃና ዝገበሮ ተኣምር ምኽንያት ብምግባር በዓል ቃና ዘገሊላ እናተባህለ ብስብሓታትን ጸሎተ ቅዳሴን...

“ ወያሠጥሞን ውስተ ቀላየ ባሕር ለአበሳነ /ንኣበሳና ናብ ማዕሙቝ ቀላይ…

ካብ ሠለስተ ኣካል ሓደ ኣካል፡ እግዚአብሔር ወልድ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍስ ወሲዱ ብተዋሕዶ...

“ልሕቀ በበሕቅ / በብንእሽቶ ዓበየ”

ባዕሉ እግዚአብሔር ዝሃቦ ተስፋን፡ ነቢያት ዝተነበይዎ ትንቢትን ንምፍጻም፡ ኣካላዊ ቃል እግዚአብሔር ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ኣብ ቤተ ልሔም...

መበል 50 ዓመት ወርቃዊ ኢዮቤልዩ ምምሥራት ደብረ ብርሃን ቅድስት ሥላሴ…

7 ጥር 2012 ዓ.ም.ግ (16 ጥሪ 2020 ፈ.) ክብረ በዓል ቅድስት ሥላሴ ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ክኸብር ከሎ ብፍሉይ ግን...

ሓበሬታ ብዛዕባ ንግደት ኢየሩሳሌም 2020 ዓ.ም. (2020 ፈ.)

 ቤት ጽሕፈት ነጋድያን ኢየሩሳሌም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብዛዕባ ንግደት ኢየሩሳሌም ኣብ በዓለ ፋሲካ 2012 ዓ.ም.ግ. (2020 ዓ.ም.) ዝምልከት...

ጋሻ ንምቕባል ንቀዳደም! - ሥላሴ ኣብ ቤት አብርሃም

ጋሻ ምቕባል፡ ብዙኅ በረኸትን ጸጋን ዘውህብ እዩ። 7 ሓምሌ ኣቦና ኣብርሃም ጋሻ ብምቕባሉ፡ ኣጋእዝተ ዓለም ቅድስት ሥላሴ ኣብ ቤቱ ዝተኣንገዱሉን፡...

  

latest articles

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...

Fast of the Prophets (Advent)

15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

FASTING

Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...

Holy of Holies Our Lady, the virgin Mary

The word holy (kidus) in Geez denotes being special, pure and esteemed. This prefix is an attribute to denote the...

HOLY SCRIPTURES (part one)

All Scriptures are written with the inspiration of the Spirit of God or the breath of God. They are also...

EXISTENCE OF GOD

The name God signifies the Divine Being, meaning He who created the world and governs it. There is one invisible...