በዓለ ዕረፍተ ሥጋሃ ለማርያም ተኸቢሩ!

Jan 31, 2020

ዓመት መጽአ 21 ጥር፡ ‘ኣስተርእዮ’ እናተባህለ ዝኽበር በዓለ ዕረፍተ ሥጋሃ ለማርያም ሎሚ ዓመት’ውን ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናትን ገዳማትን ብዝማሬን ማኅሌትን፡ ብቅዳሴን ውዳሴን፡ ብሓፈሻ ብመንፈሳዊ ሥነ ሥርዓት ተባዒሉ።

ብፍሉይ ንምጥቃስ ግና ኣብ ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ባጽዕ፡ ብፁዕ አቡነ ባስልዮስ ዋና አመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክ ወጳጳስ ሃገረ ስብከት ዓንሰባን ሰሜናዊን ደቡባዊን ቀይሕ ባሕሪ፡ ኃለፍቲ ክፍልታት ዘመንበረ ፓትርያርክ፡ ኣካላት መንግሥት፡ ካብ ርኁቕን ቀረባን ዝመጹ ሊቃውንት ቤተ ክርስቲያን፡ ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ክብ ብዝበለ መንፈሳዊ ድምቀት ተባዒሉ።

ብመሠረት ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ካብ ዋዜማ ጀሚሩ ክሳዕ ናብ 21 ጥር ዘውግሕ ለይቲ ንእግዚአብሔር ዘመስግን፡ ንቅድስት ድንግል ማርያም ዝውድስ፡ ንዅሉ ዓለም ሰላምን ፍቕርን ዘውርድ ስብሐተ እግዚአብሔር በጺሑ። ጸሎተ ቅዳሴ ምስ ተሠርዐ’ውን ብኽብሪ ተዓጂቡ ታቦት ዘይሩ። ጥዑማነ ልሳን ሊቃውንት መዘምራን ነቲ ዕለት ዝምልከት ጣዕመ ዜማ ኣስሚዖም ምስ ወረቡ፡ ተመሃሮ ትምህርተ ሰንበት ከኣ መዝሙር ምስጋናን ጸሎትን ኣቕሪቦም። ቀጺሉ ነቲ በዓል ዝምልከት ስብከተ ወንጌል ብሰባኬ ወንጌል መሪጌታ ስምዖን በየነ ምስ ተዋህበ፡ ብብፁዕ ኣቦና ቃለ ቡራኬ ተዋሂቡ፡ ብጸሎተ ምህላ እቲ ሥነ ሥርዓት ተፈጺሙ ታቦት ናብ ክብሪ ቦታኡ ኣትዩ።

ከምኡ’ውን ጻድቅ ኣቡነ ዮናስ 'አብዕሉ በዓልየ ምስ በዓለ ዕረፍታ ለእግዚእትነ ማርያም' ብዝበልዎ ቃል መሠረት ገዳም ደብረ ድኁኃን ኣቡነ ዮናስ በዓለ ዕረፍተ ሥጋሃ ለማርያምን ዝክረ ዕረፍት ኣቡነ ዮናስን ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝመጹ ገዳማውያን ኣቦታት፡ ሊቃውንት ቤተ ክርስቲያን፡ ውሉደ ክህነትን ምእመናን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ብመንፈሳዊ ሥርዓት ተባዒሉ።

ከምዝፍለጥ እዚ በዓል’ዚ ነቲ ኣካላዊ ቃል ክርስቶስ ብሥጋ ዝተገልጸሉ ጊዜያት ንኸመልክት ደኣ ‘ኣስተርእዮ’ ተባሂሉ ይጽዋዕ ኣሎ እምበር፡ ብቐንዱ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝዓረፈትሉ ዕለት እዩ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብዚ ምድሪ ሠለስተ ዓመት ምስ ሥድራኣ፡ ዓሠርተ ክልተ ዓመት ኣብ ቤተ መቅደስ፡ ሠላሳን ዓርባዕተን ዓመት ኣብ ቤት ቅዱስ ዮሴፍ፡ ዓሠርተ ኃሙሽተን ዓመት ኣብ ቤት ወንጌላዊ ዮሓንስ ድኅሪ ምንባራ ኣብ ስሳን ኣርባዕተን ዓመት ዕድመኣ 21 ጥር 49 ዓ.ም. ዓሪፋ።

ስለዚ እዚ በዓለ ዕረፍት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ብዘይካ ብኣረማዊ፡ ከሓዲ፡ መናፍቕ፡ ኣይሁዳውን ኣጋንንትን እንተዘይኮይኑ ብዅሉ ሕዝበ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ብፍቕርን ክብርን ዝበዓል እዩ። ምኽንያቱ ድማ ነገረ ማርያም ምስ ነገረ ድኅነት ዚተተኃኃዘ ዓሚቕ ምሥጢር ስለዘለዎ እዩ። ኵሉ ጊዜ ድማ ኣብ መዓልታዊ ጸሎትና፡ ቅዳሴና ውዳሴና፡ ማኅሌትና መዝሙርና፡ ኣብ ሥርዓትና ትውፊትና፡ መዓልታዊ ጕዕዞናን ናብራናን ብዛዕባ ነገረ ማርያም ንገልጽን ንሰብኽን።

በረከታ ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን፡ ኣሜን!

ዘመነ ዮሐንስ 19 መጋቢት 2012 ዓ.…

March
Saturday
28
ዝክር፦ አርስጦቦሎስ ዘእምሰብዐ ወክልኤቱ አርድእት፡ እስክንድሮስ፡ ወለእስክንድሮስ፡ ወአጋቢሁ፡ ወኒሞላ፡ ወሁንስጣ፡ ወዲዮናስዮስ፡ ወተላስዮስ፡ ወአስከናፍር። ዘቅዳሴ ምንባብ፦ ሮሜ 16፡1-16 3ይ ዮሐ. 1፡9-ፍጻሜ ግብ. ሐዋ. 11፡1-10 ምስባክ፦ መዝ. 94/95 ወንጌል፦ ሉቃ. 21፡20-ፍጻሜ ቅዳሴ፦ ዘሐዋርያት።         *   *   *
00:00 h
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

6ይ ሰንበት፡ ‘ገብርኄር’

  ሻዱሻይ ሰንበት ዓቢይ ጾም “ገብርኄር” ትበሃል። እዛ ሰንበት እዚኣ ‘ገብርኄር’ ዝተሰምየት፡ ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ፡ ብዛዕባ ቅኑዓት...

ገብር ኄር

  ኣብ ዓቢይ ጾም ኣብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ሻድሸይቲ ሰንበትን ምስኣ ዘላ ሰሙን ገብርኄር ተባሂላ ትፍለጥ። ጐይታ ሠራዊት እግዚአብሔር ነዛ...

ገዳም ደብረ ጽጌ ወደብረ ድኁኃን አቡነ ዮናስ

ሀሎ አሐዱ ብእሲ በአሐቲ ሀገር እንተ ስማ ቡር ሀገረ መስቀል ዘስሙ ንዋየ እግዚእ ወስመ ብእሲቱ ኂሩተ ማርያም / ኣብ ‘ቡር...

ንግደት ኢየሩሳሌም ኣብ በዓለ ፋሲካ 2012 ዓ.ም.ግ. (2020 ዓ.ም.) ንዘይተወሰነ…

ብመሪሕነት ቅዱስ ሲኖዶስን ብማእከልነት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ተማእኪሉ ዝካየድ ንግደት ናብ ሀገረ ቅድስት ኢየሩሳሌም፡...

ደብረ ዘይት - ነገረ ምጽአተ ክርስቶስን ኅልፈተ ዓለምን

ኣብ ዓመት ብዛዕባ ዳግማይ ምጽኣት ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምኡ’ውን ኅልፈተ ዓለም ብፍሉይ እንዝክረሉ ሠለስተ ጊዜያት ኣለዉ። እቲ ሓደ...

“ወዝንቱ ዘመድ ኢይወፅእ ዘእንበለ በጾም ወበጸሎት። /እዚ ከምዚ ዝበለ ብዘይ…

 ዘለናዮ ቅንያት፡ ናይ ጐይታናን አምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጾም ኣብነት ብምግባር፡ ፈቃደ ሥጋና ብፈቃደ ነፍስና ኣግዚእና፡ ካብ አኃዜ ኵሉ ወብዙኀ...

ኣብ ሓፈሻዊ ኣገልግሎትን ባጀታዊ ኣሠራርሓን ዘተኮረ ጉባኤ ተኻዪዱ! 

10 መጋቢት 2012 ዓ.ም.ግ ኣብ ሓፈሻዊ ኣገልግሎትን ባጀታዊ ኣሠራርሓን ዘተኮረ ጉባኤ ብመራሕ ሥራሕ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ሊቀ ካህናት ዘርአ ኣስመላሽን...

ክቡር መስቀል

 ጐይታ ዓለማት ክርስቶስ፡ ዝተሰቕለሉ መስቀልምሥጢሩ ዓሚቝ’ዩ ታሪኽ እንተ ዝግንጸልእስራኤላዊ ቀሲኑ ምድረ ተስፋ ከይርኢ ኪለዓል ጀመረ ናይ ኣማሌቅ ጸብኢ

‘ይሁዳ ጠፍአ፡ ቅዱስ ማትያስ ተክአ’

ነታ እግዚአብሔር ብደሙ ዝመሥረታ ቤተ ክርስቲያን፡ ብስብከቶምን መጻሕፍቶምን፡ ብገድሎምን ትሩፋቶምን ስለዝጓሰይዋ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንቅዱሳን ሓዋርያት ዓቢይ ክብሪ ትህቦም። ንኣብነት፦...

መፃጒዕ

ነዊኁካ ጊዜ፡ ምሥጢር ስኣን ምፍላጥ ካብ ሰብ ደሊኻዮ ትንሣኤ ካብ ዓራት ስኣን ሰብ ከኣ ኢልካዮ ነቲ 38 ዓመት ክርስቶስ ምሳኻ ከሎ ገሣፂ ኵሉ...

ኣብ ቤት ትምህርቲ ሥነ መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ…

03 መጋቢት 2012 ዓ.ም. ንተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ሥነ መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ፡ ብደረጃ ቤተ ክርስቲያን መራኸቢ ብዙኃን...

 ኣብ  ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ሓፈሻዊ ግምገማ ስብከተ ወንጌል ተኻይዱ! 

02 መጋቢት 2012 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ናይ ዝረከባ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ሓፈሻዊ ግምገማ ስብከተ ወንጌል ዘተኮረ ዓውደ ዘተ...

  

latest articles

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...

Fast of the Prophets (Advent)

15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

FASTING

Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...

Holy of Holies Our Lady, the virgin Mary

The word holy (kidus) in Geez denotes being special, pure and esteemed. This prefix is an attribute to denote the...

HOLY SCRIPTURES (part one)

All Scriptures are written with the inspiration of the Spirit of God or the breath of God. They are also...