ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ኣብ ከተማ ዓሰብ ሓዋርያዊ ዑደት ፈጺሞም!

Feb 04, 2020

ዕለት 18 ጥር 2012 ዓ.ም. (27/01/2020 ዓ.ም.) ሰዓት 3፡00 ድ.ቀ. ዓቃቤ መንበር ዘፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኤርትራ ብፁዕ ጴጥሮስ ኣብ ከተማ ዓሰብ ምስ ኣትዉ፣ ካህናትን ዲያቆናትን፡ ተማሃሮ ቤት ሰንበትን መንእሰያትን፡ ዓበይቲ ዓድን ብሓፈሻ ሕዝበ ዓሰብ ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሮምሎም!

ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ፡ ንከተማ ዓሰብ ዘይሮም ኣብ ሓመረ ኖኅ ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ብምእታው ጸሎቶም ምስ ኣብጽሑ፡ ስለቲ ዝተገብረሎም ኣቀባብላ ቃለ ምስጋና፣ ከምኡ’ውን ንኵሉ ምእመን ቃለ ቡራኬን ምዕዳንን ብምሃብ ናብ መዕረፊኦም ኣምሪሖም።

ብፁዕ ኣቦና ኣብ ዝተረኽብሉ 21 ጥር ኣስተርእዮ ማርያም ኣብ ኆኅተ ምሥራቅ ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን ምብዓሉ ፍሉይ ድምቀት ነይርዎ።

ኣብዚ ቤተ ክርስቲያን ስብሐተ ማኅሌት ተቖይሙ ጸሎተ ቅዳሴን ብመሪሕነት ብፁዕ ኣቦና ምስ ተሠርዐ፡ ካብ ካልእ ጊዜ ብዝተፈለየ ብዓቢይ ክብሪ ዑደት ታቦት ሕጉ ፈጺሙ።

ብያሬዳውያን ሊቃውንት ዝማሬ መላእክት፡ ብተማሃሮ ትምህርተ ሰንበት ድማ መዛሙርን ሸብሸቦን ምስ ቀረበ ነቲ ዕለት ዝምልከት ስብከተ ወንጌል ብዲያቆን ኢዮብ ተዋሂቡ። ቀጺሎም ብፁዕ ኣቦና ቃለ ምዕዳን ቡራኬን ምስ ሃቡ ሰላም አብ ተባሂሉ ታቦት ሕጉ ናብ መንበሩ ተመሊሱ።

ብፁዕ ኣቦና፡ ኣብዚ ዕለት እዝን ንጽባሒቱን ንመንፈሳውን ምምኅዳራውን ልምዓታውን ንጥፈታት ናይቲ ቦታ ብዝግባእ ድኅሪ ምክትታል ቃለ ምዕዳንን ቡራኬን ክህቡ ከለዉ ምስ ዝተፈላለየ ኣካላት ድማ ርክባት ኣቃኒዖም።

ብፁዕ ኣቦና፡ ሓዋርያዊ ዑደቶም ፈጺሞም ዕለት 23 ጥር 2012 ዓ.ም. ብሰላም ናብ ኣሥመራ ተመሊሶም።

 

ዘመነ ዮሐንስ 19 መጋቢት 2012 ዓ.…

March
Saturday
28
ዝክር፦ አርስጦቦሎስ ዘእምሰብዐ ወክልኤቱ አርድእት፡ እስክንድሮስ፡ ወለእስክንድሮስ፡ ወአጋቢሁ፡ ወኒሞላ፡ ወሁንስጣ፡ ወዲዮናስዮስ፡ ወተላስዮስ፡ ወአስከናፍር። ዘቅዳሴ ምንባብ፦ ሮሜ 16፡1-16 3ይ ዮሐ. 1፡9-ፍጻሜ ግብ. ሐዋ. 11፡1-10 ምስባክ፦ መዝ. 94/95 ወንጌል፦ ሉቃ. 21፡20-ፍጻሜ ቅዳሴ፦ ዘሐዋርያት።         *   *   *
00:00 h
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

6ይ ሰንበት፡ ‘ገብርኄር’

  ሻዱሻይ ሰንበት ዓቢይ ጾም “ገብርኄር” ትበሃል። እዛ ሰንበት እዚኣ ‘ገብርኄር’ ዝተሰምየት፡ ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ፡ ብዛዕባ ቅኑዓት...

ገብር ኄር

  ኣብ ዓቢይ ጾም ኣብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ሻድሸይቲ ሰንበትን ምስኣ ዘላ ሰሙን ገብርኄር ተባሂላ ትፍለጥ። ጐይታ ሠራዊት እግዚአብሔር ነዛ...

ገዳም ደብረ ጽጌ ወደብረ ድኁኃን አቡነ ዮናስ

ሀሎ አሐዱ ብእሲ በአሐቲ ሀገር እንተ ስማ ቡር ሀገረ መስቀል ዘስሙ ንዋየ እግዚእ ወስመ ብእሲቱ ኂሩተ ማርያም / ኣብ ‘ቡር...

ንግደት ኢየሩሳሌም ኣብ በዓለ ፋሲካ 2012 ዓ.ም.ግ. (2020 ዓ.ም.) ንዘይተወሰነ…

ብመሪሕነት ቅዱስ ሲኖዶስን ብማእከልነት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ተማእኪሉ ዝካየድ ንግደት ናብ ሀገረ ቅድስት ኢየሩሳሌም፡...

ደብረ ዘይት - ነገረ ምጽአተ ክርስቶስን ኅልፈተ ዓለምን

ኣብ ዓመት ብዛዕባ ዳግማይ ምጽኣት ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምኡ’ውን ኅልፈተ ዓለም ብፍሉይ እንዝክረሉ ሠለስተ ጊዜያት ኣለዉ። እቲ ሓደ...

“ወዝንቱ ዘመድ ኢይወፅእ ዘእንበለ በጾም ወበጸሎት። /እዚ ከምዚ ዝበለ ብዘይ…

 ዘለናዮ ቅንያት፡ ናይ ጐይታናን አምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጾም ኣብነት ብምግባር፡ ፈቃደ ሥጋና ብፈቃደ ነፍስና ኣግዚእና፡ ካብ አኃዜ ኵሉ ወብዙኀ...

ኣብ ሓፈሻዊ ኣገልግሎትን ባጀታዊ ኣሠራርሓን ዘተኮረ ጉባኤ ተኻዪዱ! 

10 መጋቢት 2012 ዓ.ም.ግ ኣብ ሓፈሻዊ ኣገልግሎትን ባጀታዊ ኣሠራርሓን ዘተኮረ ጉባኤ ብመራሕ ሥራሕ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ሊቀ ካህናት ዘርአ ኣስመላሽን...

ክቡር መስቀል

 ጐይታ ዓለማት ክርስቶስ፡ ዝተሰቕለሉ መስቀልምሥጢሩ ዓሚቝ’ዩ ታሪኽ እንተ ዝግንጸልእስራኤላዊ ቀሲኑ ምድረ ተስፋ ከይርኢ ኪለዓል ጀመረ ናይ ኣማሌቅ ጸብኢ

‘ይሁዳ ጠፍአ፡ ቅዱስ ማትያስ ተክአ’

ነታ እግዚአብሔር ብደሙ ዝመሥረታ ቤተ ክርስቲያን፡ ብስብከቶምን መጻሕፍቶምን፡ ብገድሎምን ትሩፋቶምን ስለዝጓሰይዋ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንቅዱሳን ሓዋርያት ዓቢይ ክብሪ ትህቦም። ንኣብነት፦...

መፃጒዕ

ነዊኁካ ጊዜ፡ ምሥጢር ስኣን ምፍላጥ ካብ ሰብ ደሊኻዮ ትንሣኤ ካብ ዓራት ስኣን ሰብ ከኣ ኢልካዮ ነቲ 38 ዓመት ክርስቶስ ምሳኻ ከሎ ገሣፂ ኵሉ...

ኣብ ቤት ትምህርቲ ሥነ መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ…

03 መጋቢት 2012 ዓ.ም. ንተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ሥነ መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ፡ ብደረጃ ቤተ ክርስቲያን መራኸቢ ብዙኃን...

 ኣብ  ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ሓፈሻዊ ግምገማ ስብከተ ወንጌል ተኻይዱ! 

02 መጋቢት 2012 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ናይ ዝረከባ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ሓፈሻዊ ግምገማ ስብከተ ወንጌል ዘተኮረ ዓውደ ዘተ...

  

latest articles

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...

Fast of the Prophets (Advent)

15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

FASTING

Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...

Holy of Holies Our Lady, the virgin Mary

The word holy (kidus) in Geez denotes being special, pure and esteemed. This prefix is an attribute to denote the...

HOLY SCRIPTURES (part one)

All Scriptures are written with the inspiration of the Spirit of God or the breath of God. They are also...