ኣብ ቅድስት ሃገር እስራኤል ዓመታዊ በዓል ብድምቀት ተኸቢሩ!

Feb 05, 2020

ቀዳም 23 ጥር 2012 ዓ.ም. (01/02/2020 ዓ.ም.ፈ.) ኣብ ቅድስት ሃገር እስራኤል ዓመታዊ ክብረ በዓል ዕረፍታ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ከምኡ ውን ምምሥራት ቤት ትምህርቲ ሰንበት ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ ዓለም “ህቦብላ ምስ ዝኃልፍ ነቲ እኩይ ይወስዶ፡ እቲ ጻድቕ ግን ብደኃን ይነብር።" (ምሳ 10፡25) ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ቃል ብድምቀት ተኸቢሩ።

ብድሮ ዓርቢ፡ ብርክት ዝበሉ ሊቃውንት መዘምራንን ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ዝተሳተፍዎ ናይ ዋዜማ ስብሐተ እግዚአብሔር ምስ ቀረበ፡ ምሸት ካብ ሰዓት 7፡00 ድ.ቀ. ኣትኂዙ ፍሉይ መደብ ብሕፃናት (መዝሙርን መንፈሳዊ ተዋሥኦን) ከምኡ’ውን ናይ ዕለቱ ቃለ እግዚአብሔር ተዋሂቡ። በዚ ድሙቅ መደባት መርሐ ግብር ዕለተ ዓርብ ብሰላም ተዛዘመ።

ቀጺሉ ናብ ቀዳም ዘውግሕ ካብ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሮም ሊቃውንት መዘምራን ስብሐተ ማኅሌት ብያሬዳዊ ተመስጦ ከዝይሙን ክውርቡን ድኅሪ ምኅዳሮም ካብ ሰዓት 6፡00-8፡00 ቅ.ቀ. ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑ።

ብድኅሪ’ዚ ሕዝበ ክርስቲያን መክፈልቲ ምስ ተቛደሱ፡ ካብ ሰዓት 11፡00 – 3፡00 ድ.ቀ ናይ ቀዳም ሥሩዕ መደብ ብዓውደ ርእይ (ኤግዚቭሽን) ካልእ መደባትን ተቓኒዑ። ካብ ምሳሌ 10፣25 “ህቦብላ ምስ ዝኃልፍ ነቲ እኩይ ይወስዶ፡ እቲ ጻድቕ ግን ብደኃን ይነብር” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ትምህርተ ወንጌል ምስ'ዚ ዘሎ ፈተናታት ናይ ቤተ ክርስቲያን ብምትኅኃዝ ተዋሂቡ።

ኪነ ጥበባዊ ዕዮ ዝኾነ መንፈሳዊ ተዋሥኦን ግጥምን ምስ ቀረበ፡ ብመንእሰያት መዘምራን 'ህቦብላ ማዕበልን፡ ናይ ፍቅሪ ዕንበባ’ ዝብላ መዛሙርን ወረብን ቀሪቡ።

ብድኅርዚ ካብ ኵለን ኣብ ቅድስት ሃገረ እስራኤል ኣብ ትሕቲ ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ ዓለም ዝምእከላ 14 ትምህርተ ሰንበታት ማኅበራት ዝተዋፅኡ መዘምራን ሠለስተ ናይ ኅብረት መዛሙር ምስ ተዘመረ ከምኡ’ውን ብሊቃውንቲ ኣቦታት ወረብ ምስ ተሸብሸበ እቲ መርሐ ግብር ብጸሎት ተፈጺሙ።

ከምዝፍለጥ ቤት ትምህርተ ሰንበት ማርያም ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ ዓለም ቅድሚ ዓሠርተ ክልተ ዓመት (2008 ዓ.ም.ፈ.) ኣብ ቅድስት ሃገረ እስራኤል ብውሑዳት ደቂ ቤተ ክርስቲያን ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ሰንበት ኣብ ቅድስት ሃገረ እስራኤል ዝተመሥረተ፡ ኣብ ትሕቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝመኃደር ማኅበር እዩ።

እዚ ማኅበር ክጅምር እንከሎ ካብ መጀመርታኡ ሰብ ዋላ ብስደት ሃገር እንተ ቐየረ ሃይማኖቱን ቤተ ክርስቲያኑን ክቕይር የብሉን ብዝብል ሃይማኖታዊ ቅንኣት "ኣምላኽ ሰማይ ከቕንዓልና እዩ እሞ፡ ንሕና ባረቱ ተንሢእና ኽንዓዪ ኢና" (ነህ. 2፣20) ብዝብል መሪሕ ቃል ዝተበገሰ ማኅበር እዩ። እዚ ትምህርተ ሰንበት'ዚ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዶግማኣን፡ ቀኖነኣን፡ ሥርዓታን ትውፊታን ኣብ ዓዲ ስደት ብዝግባእ ተሓልዩን ተኸቢሩን ናብ መንእሰይ ወለዶ ምምኅልላፍ፡ ንቤተ ክርስቲያን ካብ ኣጽራራ ብፍላይ ካብ ተሓድሶ መናፍቓን ምክልኻል፡ ዋንነት ናይ ኤርትራ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅድስቲ ሃገረ ኢየሩሳሌም ምሕናፅን ካልእን . . . ዕላማ ገይሩ ዝነጥፍ ዘሎ እዩ።

በዚ መሠረት ድማ ኣብ ቅድስት ሃገረ እስራኤልን ካብኡ ወፃእን ንዝርከብ ሕዝበ ክርስቲያን ብዝተፈላለየ መገዲ ማለት ብመልክዕ መጻሕፍቲ ፡ ሲዲ፡ መርበብ ሓበሬታ (you tube፡ facebook) .. .. .. ንመሠረታዊ ትምህርቲ ሃይማኖትን ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንን ስብከተ ወንጌልን ህልው ኵነታት ቤአ ክርስቲያንን ብሓፈሻ ሓዋርያዊ ርቱዕ ኦርቶዶክሳዊ ትምህርቲ ኣብ ምብጻሕ ዘገልግል ዘሎ ትምህርተ ሰንበት እዩ።

ከምኡ’ውን ካብ ኤርትራን ካልእ ሃገራትን ዝመጹ ኦርቶዶክሳውያን ነጋድያን ቅድስት ሃገረ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝተፈላለዩ ቅዱሳን ቦታታት (መካናት) ንኽሳለሙ ዝግባእ ምትሕብባርን ሓገዛትን ኣብ ምግባር ዝርከብ ማኅበር እዩ።

ዘመነ ዮሐንስ 18 ግንቦት 2012 ዓ.…

May
Tuesday
26
ዝክር፦ ወረደ መንፈስ ቅዱስ ላዕለ ሐዋርያት፡ ወአባ ገዓርጊ ቢጹ ለአባ አብርሃም። ዘቅዳሴምንባብ መልእክታት፦ ኤፌ. 4፡1-10 ያዕ. 1፡17-ፍጻሜ ግብ. ሐዋ. 10፡44-ፍጻሜ። ምስባክ፦ መዝ. 50/51 ወንጌል፦ ዮሓ. 14፡11-17 ቅዳሴ፦ ቅዳሴ ዘ፫፻ት ግሩም። * * *
00:00 h
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ 

'ኣብ ወርኂ ታኅሣሥ ዕለቱ ሰኑይ፡ ሰዓቱ ሰዓት ፫ተ ብግዕዝ (9ተ)፡ ኣብ ቅድሚ ታቦተ ጽዮን ኣክሱም ደው ኢሉ ድምፁ ዓው ብምባል...

“ተዘከረኒ እግዚኦ አመ ትመጽእ በመንግሥትከ።/ ጐይታይ ብመንግሥትኻ ክትመጽእ ከሎኻ ዘክረኒ።”…

እቲ ብየማን ጐይታ ተሰቒሉ ዝነበረ ሽፍታ (ፈያታዊ ዘየማን)፡ ደመ ማኅተምን መርኆ ድኅነትን ተዋሂቡ ንኣቦና ኣዳም ቀዲሙ ናብ ገነት ከምዝኣተወ ቅዱሳት...

“ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ቅድሚ ዓለም ምፍጣሩ ኣብ ሕሊና ኣምላኽ…

እዚ ቓል’ዚ ኣብ መቅድም ተኣምረ ማርያም ዝርከብን ወትሩ ዝንበብን ኮይኑ፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ ቅድሚ ንዓለም ምፍጣሩን ዘመን ምቝጻሩን፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል...

ቅዱስ ኣትናቴዎስ

ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ከምዝሕብሮ፡ ድኅሪ ዘመነ ሓዋርያት ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ኣብ ዝተፈላለየ ዘመናት ብደገ ብዓላውያን ነገሥታት፡ ብውሽጢ ድማ ብናይ ጽርኣውያን...

ርክበ ካህናት

“ርክበ ካህናት” ማለት ናይ ካህናት መራኸቢ፡ ጉባኤ፡ መተኣኻኸቢ፡ መዛተዪ . . . ወዘይመስሎ ዝብል ትርጕም ኣለዎ። ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ዓመታዊ...

ናባይ ንዑ፡ ኣነ ኸኣ ከዕርፈኩም እየ! (ማቴ. 11፡28)

ክታብ ካብ ኣልፋ ወዖ እግዚአብሔር ኣምላኽ! ኣኽቢረ ብኣርኣያይን ብኣምሳለይን ዝፈጠርክኹም ደቀይ! ቅድሚ ኵሉ ሰላመይ ምስ ኵላትኩም ይኹን! ቅድሚ ሕጂ ብዙኅ ደብዳቤታት ሰዲደልኩም...

አሥርቆት ዘወርኀ ግንቦት

ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ ግንቦት ያብጽሐነ እስከ ወርኀ ሰኔ በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ ግንቦት ቡሩክ መዓልቱ ፲ወ፬ቱ ሰዓት ወእምዝ ይትዌስክ። ሎሚ...

ባሕቲ ግንቦት፡ ልደተ ማርያም

ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ኣብ ሕሊና ኣምላኽ ዝነበረት፣ ገና ከይተወልደት ትንቢት ዝተነግረላ፡ ሱባኤ ዝተቘጽረላን ምሳሌ ዝተመሰለላን እያ። ሊቀ...

ዮም ፍሥሐ ኮነ በእንተ ልደታ ለማርያም/ ሎሚ ብልደት ቅድስት ድንግል…

ልደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሃንደበታዊ ኣይኮነን። ካብ ፅንሰታ ክሳዕ ልደታ ኵሉ መስተንክር እዩ። ትንቢት ዝተነግረሉ፡ ሱባዔ ዝተቘጽረሉ፡ ምሳሌ ዝተመሰለሉ...

“ሓዋርያ ኣፍሪቃ - ቅዱስ ማርቆስ ወንጌላዊ”

ሓደ ካብ ጸሓፍቲ ኣርባዕቱ ወንጌል ቅዱስ ማርቆስ እዩ። ‘ዮሐንስ’ ዝብል ኻልኣይ ስም (ግብ. 13፡13) እኳ እንተሃለዎ ፍሉጥ ግና ‘ማርቆስ’ ዝብል...

ጸሎት ምእንቲ ዝሓመሙ ሰባት

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ለምኑ ክወሃበኩም እዩ፡ ድለዩ ክትረኽቡ ኢኹም፡ ማዕጾ ኳሕኵሑ ክረሓወልኩም እዩ” (ማቴ. 7፡7) ዝበሎ ኣምላካዊ ቃሉ መሠረት...

ድኅረ ትንሣኤ ኣብ ባሕረ ጥብርያዶስ

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅሪ ትንሣኤኡ ቅድሚ ዕርገቱ ኣብ ዝጸንሓለን ኣርብዓ መዓልታት ንደቀ መዛሙርቱ ብጉባኤ ሠሪዑ ዝመሃረሉ ሓደ ኣብ ባሕረ...

  

latest articles

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...

Fast of the Prophets (Advent)

15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

FASTING

Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...

Holy of Holies Our Lady, the virgin Mary

The word holy (kidus) in Geez denotes being special, pure and esteemed. This prefix is an attribute to denote the...