Print this page

ኪደት መንፈሳዊ ኮሌጅ ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ተገምጊሙ!

Feb 22, 2020

12 የካቲት 2012 ዓ.ም.ግ (20 የካቲት 2020 ዓ.ም.)፡ ኪደት መንፈሳዊ ኮሌጅ ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ዝግምግም ጉባኤ፡ ብፁዓን አቦታትን ኣባላት ናይ ብቅዱስ ሲኖዶስ ዝቖመ ላዕለዋይ ኣካዳምያዊ ገምገምቲን መራሕትን ኣካየድቲ ሥራሕ ናይቲ መንፈሳዊ ኮሌጅን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ተቓኒዑ።

እቲ ጉባኤ ብጸሎት ምስ ተጀመረ፡ ዕላማን ትኅዝቶን ናይቲ ጉባኤ ዘብርህ መግለጺ ብኃላፊ ክፍሊ መንፈሳዊ ትምህርቲ መምህር ሠመረ አፈወርቅ ንተጋባእቲ ቀሪቡ።

ቀጺሎም ኣባላት ኮሚተ ምምዛንን ምፍታሽን ብቕዓት መንፈሳዊ ኮሌጅ ደብረ ሲና ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዘካየድዎ ምዘና ብቕዓት ሓደ ድኅሪ ሓደ ብመልክዕ ጸብጻብ ኣቕሪቦም።

ኣብ መወዳእታ ድማ ተጋባእቲ ኣብዚ መንፈሳዊ ኮሌጅ ፍሉይ ኣድህቦ ዘድልዮም ጉዳያት ብሕቶን ርእይቶን ምስ ተዛተዩሉ እቲ ጉባኤ ብጸሎት ተዛዚሙ።