ንካብ ዝተፈላለዩ ኣህጉረ ስብከታት ናይ ዝመጹ ናይ ኣሰልጠንቲ ስልጠና መዛዘሚ መመረቕታ ተኻይዱሎም!

Mar 07, 2020

ቀዳም 29 የካቲት 2020 ዓ.ም.ፈ ንሓደ ሰሙን ዝኣክል ኣብ ቤት ትምህርቲ ሥነ መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ ብምሥጢራትን ዝተፈላለዩ ትምህርታት ቤተ ክርስቲያንን ክሥልጥኑ ዝቐነዩ ካብ ኵለን ኣህጉረ ስብከታት ዝተዋፅኡ ሠልጠንቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ናይ መዛዘሚ ሥልጠና መመረቕታ ተኻይዱሎም።

እዞም ሰበኽቲ ወንጌልን ኃለፍቲ ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበትን ናይ ዝተፈላለያ ኣህጉረ ስብከታትን ክልላት ኣብያተ ክርስቲያናትን ዝርከብዎም ሠልጠንቲ፡ ብቍጽሪ 65 ምዃኖምን ካብ ሾሞንተ ኣህጉረ ስብከታት ውሽጢ ሃገር ዝመጹን ናይ ዝተፈላለየ ዓውዲ መምህራን ምዃኖምን ቀሲስ ተክሎም ተስፋልደት ኃላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ሰንበት ገሊጾም።

ቀጺሎም እዚ ሥልጠና’ዚ ብመሠረት ቃል ዓዋዲ ዓንቀጽ 25 ከም ዝተሠርዐን ኣብ ኵለን ኣድያማተ ስብከት ዘለው ኃለፍቲ ስብከተ ወንጌልን ትምህርቲ ሰንበትን ኣፍልጥኦምን መረዳእታኦምን ምዕሩይ ንምዃን ዝዓለመ ምንባሩ ገሊጾም።

ኃላፊ ክፍሊ ስብከተ ወንጌል ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ መምህር ስምዖን በየነ ብወገኖም ከም’ዚ ዓይነት ሥልጠና ኣብ ምጥንኻር ሓድነት ሰብክቲ ወንጌልን ኃለፍቲ ትምህርቲ ሰንበትን ከምኡ’ውን እምነትን ሥርዓተ ሃይማኖት ሓልዮም ዝኸዱ ምእመናን ንምፍራይ ዕዙዝ ተራ ንክህልዎ ሓጋዚ እዩ ክብሉ ሓቢሮም።

በተኃጥኦ መምህራን ይበዝኁ መናፍቃን/ መምህራን ኣብ ዝውኅድሉ መናፍቃን ይበዝኁ” ዝብል ኃይለ ቃል ብምልዓል መግለጺኦም ዝጀመሩ ኃላፊ ክፍሊ መንፈሳዊ ትምህርቲ መምህር ሠመረ መሪ ኣፈወርቅ ብወገኖም፡ ኣብ መሠረታዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ኣቶኪርና ክንምህር ከም ዝግባእን፡ ካብ መሠረት ምልቃቅ ማለት ኣዕኑድ ንምፍራስ ምቅልጣፍ ስለዝኾነ ብምስትውዓል ክንግንዘቦም ከም ዝግባእ መልእክቶም ሂቦም።    

ተሓጋጋዚ ዋና ኣመኃዳሪ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ዲያቆን ግርማይ ዘርኣይ ብወገኑ ኣብ ዝኃለፈ 3 ዓመት ንሥልጠና ዝስላዕ ዘሎ ባጀት ብ400 ሚእታዊት ከም ዝዓበየን 15% ካብ ጠቕላላ ወፃኢታት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ድማ ንስልጠናን ትምህርትን ይወጽእ ምህላው ገሊጹ። መንፈሳዊ ኮሌጅ ሥነ መለኮት ደብረ ሲናን ከምኡ’ውን ናብ ኣብነት ናይ ምስክር ጉባኤ ቤት ፍኖተ ብርሃን ሃገረ ስብከት ማእከል ኣሥመራ ከይትሓጸርና ኣብ ኵለን ሃገረ ስብከታት መሠልጠኒ ማዕከላት ክንሓንፅ ከም ዝግባእ’ውን መዘካከሪ ብምቕራብ ትምህርቲ መለለይ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ከም ምዃኑ ገዳማትናን ኣድባራትናን ማእከል ፍልጠትን ምርምርን ንምዃን ክንተግህ ይግባእ’ውን ኢሉ።   

ዝምልከቶም ኃለፍቲ ክፍልታት መንበረ ፓትርያርክ መግለጺ ምስ ሃቡ ብሠለስተ ኣብ’ቲ ሥልጠና ዝተሳተፉ መምህራን ለዘብ ክቀርብ ከሎ፡ ብመምህር ቅኔ መምህር ርእሶም ድማ ቅኔ ተዘሪፉ። ኣብ መዛዘሚ ኣብ’ቲ ዕለት ንቅዱስ ሲኖዶስ ወኪሎም ዝተረኽቡ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ድማ ቤተ ክርስቲያን ኣሰኪማትኩም ዘላ ኃላፍነት ቀሊል ብዘይምዃኑ ክትሥልጥንሉ ዝቐነኹም ትምህርቲ ብትግሃትን ብተወፋይነትን ፍረ ዘለዎ ዕዮ ክትዓዩ ቤተ ክርስቲያን ሓደራ እናበለት ልዕሊ ዅሉ ግን ጸሎት ዝዓበየ መሣርሒ ስለ ዝኾነ ሎሚ ስለ ሓድነትን ፍቅርን ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብጸሎት ንተግሃሉ ጊዜ እዩ ክብሉ ኣባታዊ ቃለ ማዕዳን ሂቦም። እቲ ሰዓት 10 ቅ.ቀ ብጸሎት ዝተጀመረ መደብ ድማ ድኅሪ ክልተ ሰዓት ብጸሎትን ቡራኬን ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ተዛዚሙ።  

 

 

 

 

 

 

 

ዘመነ ዮሐንስ 24 መጋቢት 2012 ዓ.…

April
Thursday
2
ዝክር፦ አባ መቃርስ ሊቀ ጳጳሳት፡ ወአፈድፈዱ ምክረ ላዕለ እግዚእነ። ዘቅዳሴ ምንባብ፦ ገላ. 4፡12-20 1ይ ጴጥ. 1፡21-ፍጻሜ ግብ. ሐዋ. 5፡12-16 ምስባክ፦ መዝ. 81/82 ወንጌል፦ ማቴ. 26፡1-5 ቅዳሴ፦ ዘ፫፻ት ግሩም።         *   *   *
 - 23:00 h
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

“ መድኃኔ ዓለም ”

  እግዚአብሔር አምላኽ ቅድሚ ኵሉ ዝነበረ’ዩ። ሰማያት ከይተዘርግሑ፡ ገጹ መሬት ከይተራእየ፡ ጐቦታት ከይቆሙ፡ ቀላያት ከይዓመቑን ወሓይዝ ከይወሓዙን ንሱ ብባህሪኡ ዝነበረ እዩ።...

7ይ ሰንበት ዓቢይ ጾም፡ ‘ኒቆዲሞስ’

  ኣብ ዓቢይ ጾም ካብ ዘለዋ ሸሞንተ ሰናብቲ፡ እታ ሻብዓይቲ ሰንበት ‘ኒቆዲሞስ’ ትብሃል። ኣብዛ ዕለት’ዚኣ ዚዝመርን ዚንበብን ዚወሃብ ትምህርትን ብዛዕባ ኒቆዲሞስ...

“ወእንዘ የሐውሩ ነጽሑ/ እናኸዱ ሓወዩ” ሉቃ. 17፡15

ጐይታናን አምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ ከሎ ብማእከል ሰማርያን ገሊላን ኃሊፉ፡ ናብ ሓንቲ ከተማ ኣተወ።...

በቴርጌላ ማርያም - ካብ ተላባዒ ሕማም ዝደኃነ ብጸሎት ማርያም!

ናይ እግዚአብሔር ምሕረት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ጸሎት ምስ ኵልና ይኹን እሞ ኣብ መጽሐፈ ተአምረ ማርያም ካብ ዝሰፈሩ ተአምራት...

በቴርጌላ ማርያም - ካብ ተላባዒ ሕማም ዝደኃነ ብጸሎት ማርያም!

ናይ እግዚአብሔር ምሕረት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ጸሎት ምስ ኵልና ይኹን እሞ ኣብ መጽሐፈ ተአምረ ማርያም ካብ ዝሰፈሩ ተአምራት...

መግለጺ ቅዱስ ሲኖዶስ

ቅዱስ ሲኖዶስ ብምኽንያት ሕማም ኮረና ቫይረስ ሓዲሽ መግለጺ ኣውጺዑ!

6ይ ሰንበት፡ ‘ገብርኄር’

  ሻዱሻይ ሰንበት ዓቢይ ጾም “ገብርኄር” ትበሃል። እዛ ሰንበት እዚኣ ‘ገብርኄር’ ዝተሰምየት፡ ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ፡ ብዛዕባ ቅኑዓት...

ገብር ኄር

  ኣብ ዓቢይ ጾም ኣብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ሻድሸይቲ ሰንበትን ምስኣ ዘላ ሰሙን ገብርኄር ተባሂላ ትፍለጥ። ጐይታ ሠራዊት እግዚአብሔር ነዛ...

ገዳም ደብረ ጽጌ ወደብረ ድኁኃን አቡነ ዮናስ

ሀሎ አሐዱ ብእሲ በአሐቲ ሀገር እንተ ስማ ቡር ሀገረ መስቀል ዘስሙ ንዋየ እግዚእ ወስመ ብእሲቱ ኂሩተ ማርያም / ኣብ ‘ቡር...

ንግደት ኢየሩሳሌም ኣብ በዓለ ፋሲካ 2012 ዓ.ም.ግ. (2020 ዓ.ም.) ንዘይተወሰነ…

ብመሪሕነት ቅዱስ ሲኖዶስን ብማእከልነት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ተማእኪሉ ዝካየድ ንግደት ናብ ሀገረ ቅድስት ኢየሩሳሌም፡...

ደብረ ዘይት - ነገረ ምጽአተ ክርስቶስን ኅልፈተ ዓለምን

ኣብ ዓመት ብዛዕባ ዳግማይ ምጽኣት ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምኡ’ውን ኅልፈተ ዓለም ብፍሉይ እንዝክረሉ ሠለስተ ጊዜያት ኣለዉ። እቲ ሓደ...

“ወዝንቱ ዘመድ ኢይወፅእ ዘእንበለ በጾም ወበጸሎት። /እዚ ከምዚ ዝበለ ብዘይ…

 ዘለናዮ ቅንያት፡ ናይ ጐይታናን አምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጾም ኣብነት ብምግባር፡ ፈቃደ ሥጋና ብፈቃደ ነፍስና ኣግዚእና፡ ካብ አኃዜ ኵሉ ወብዙኀ...

  

latest articles

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...

Fast of the Prophets (Advent)

15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

FASTING

Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...

Holy of Holies Our Lady, the virgin Mary

The word holy (kidus) in Geez denotes being special, pure and esteemed. This prefix is an attribute to denote the...

HOLY SCRIPTURES (part one)

All Scriptures are written with the inspiration of the Spirit of God or the breath of God. They are also...