እዚ ትሕተ ባይታዊ ማይ’ዚ ኣብ ደቡባዊ ቀጽሪ ናይቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝተኻየደ ዳኅሳስ፡ ብትካል ኩዕታን ዳኅሳስን ሃካን ድሪሊን ካምፓኒ ድኅሪ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ኵዕታ ዝተረኽበ ኮይኑ ንመንፈሳዊ ኣገልግሎት ማየ ጸሎት ከምኡ’ውን ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ንዝብዓል ክብረ በዓለ ጥምቀትን ልምዓታዊ መደባትን ዝውዕል እዩ።
መካነ ገነት ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ብ1972 ዓ.ም. ዝትሓንፀት ን42 ዓመት ሥሩዕ መንፈሳዊ ኣገልግሎታት ትህብ ዘላ ሓንቲ ካብ ዓበይቲ ኣድባራት ኣሥመራ እያ።