እዚ ጉባኤ’ዚ ኣብ ሓንቲ አአንጋዲት ቤተ ክርስቲያን ብኣካል ተረኺብካ ይካየድ እኳ እንተነበረ፡ ሎሚ ዓመት ግና ብሰንኪ ለብዒ ኮሮና (COVID 19) ብቴክኖሎጂ ዘምጽኦ መራኸቢታት ተጠቂምካ ብመንዛዊ (Virtual) መንገዲ እዩ ተካዪዱ።
ጉባኤ ብጸሎት ምስ ተኸፍተ፣ ኣቦ መንበር ቤ/ት/ሰ/ሃ/ስብከት ቀሲስ ብሥራት ተክለእግዚእ ‘እንቋዕ ኣብጸሓናን’ ድኅሪ ምባል ሎሚ ዓመት ዓመታዊ ጉባኤና ከየባኾርና ከነቅርብ ምኽኣልና ምስጋና ንልዑል ኣምላኽና ይኹን። ነቶም ነዚ ዘቃንዑ ደቂ ቤተ ክርስቲያን ድማ ዓስቦም ይሃቦም” ኢሎም።
ቀጺሎም ኣቦ መንበር ሃገረ ስብከት ኅቡራት መንግሥታት ኣመሪካን ካናዳን ሊቀ ኅሩያን ቀሲስ ሚካኤል ተኽላይ መልእኽቶም ኣመኃላሊፎም። ንሶም ኣብ መልእኽቶም፦ መንእሰያት ደቂ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሃይማኖቶም ጽኑዓት ንሥነ ምግባር ትጉሃት ኮይኖም ከምቶም ቀዳሞት ሎሚ’ውን ኣበርክቶኦም ኣብ ምዕቃብ ሃይማኖትን ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያንን፣ ኣብ ልምዓታዊ መደባት ቤተ ክርስቲያን ከተዕብዩ ይግባእ።” ድኅሪ ምባል ኣብ ጻውዒት ሓገዝ ቤተ ክርስቲያን ንዘርእይዎ ዘለዉ ተሳትፎ ንኢዶም። ኣስዒቦም ነቲ ካብ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝተላእከ ቃለ ምዕዳንን ባርኮትን ኣቕሪቦም።
ብድኅር’ዚ ብመሠረት ዝተሠርዐ መርሐ ግብር፡ “ብጊዜኡን ኣብ ዘይጊዜኡን ጽናዕ” (2ይ ጢሞ 4፡2) ብዝብል ኣርእስቲ ብዲያቆን ሚካኤል ተክለብርሃን ካብ ቅዱስ ሚካኤል ቶሮንቶ ስብከተ ወንጌል ምስ ተዋህበ፣ “መንፈሳዊ ሰብ ኣብ ጊዜ ፈተና” ብዝብል ኣርእስቲ ሰፊሕ ዘተ ተኻዪዱ። ኣብዚ ዘተ’ዚ ብሊቀ ካህናት ቀሲስ ዘርእሠናይ ቀሲስ ሰሎሞን (ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ) ከምኡ’ውን ብቀሲስ ኤፍሬም ኣድኃኖም (መካነ ሕይወት ቅድስት ሥላሴ ሳውዝ ዳኮታ) ሓናፂ ሓሳባት ቀሪቡ ነይሩ።
ብሰንኪ ቋንቋ ሕፃናት ካብ እግዚአብሔር ከይርኅቁን ኣብ ሃይማኖቶም ክጸንዑን በቲ ዝተወልድሉ ቋንቋ ንምምሃሮም ካብ ዝጸዓረሉ ዘሎ ንጥፈታት ቤት ትምህርተ ሰንበት ብምዃኑ፡ ዓርቢ ድኅሪ ቀትሪ ነቶም ኣብዚ ሃገረ ስብከት ዝተወልዱን ዝዓበዩን ሕፃናት ዘነፀረ ብቋንቋ እንግሊዝ መደብ ቀሪቡ ነይሩ።
ብተመሳሳሊ ድማ ቀዳም፣ ነቲ መሪሕ ቃል ግሉላት ዝገበረ ስብከተ ወንጌል ብቛንቋ እንግሊዝ ብኃውና ኣሮን ተስፋሥላሴ ካብ ቃና ዘገሊላ ቅዱስ ሚካኤል ሳንታ ሮዛ ምስ ተዋህበ፡ ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ሕማም Covid 19 ብምትኅኃዝ፡ ንዝቀርቡ ዝተፈላለየ ሕቶታት ምእመናን ኣብ ግምት ዘእተወን ብዛዕባ ምጽአተ ክርስቶስ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መረዳእታ ዝህብ ሓናፂ ትምህርት ብዲያቆን ዕርዶም ዕቍበሚካኤል (ካብ ቅድስት ሥላሴ ዱባይ) ከምኡ’ውን ዲያቆን ኣስመላሽ ገብረሕይወት (ካብ መንበረ ጸባኦት መድኃኔ ዓለም ለንደን) ተዋሂቡ።
ምስዚ መርሐ ግብር እናተሳነዩ ዝተፈላለየ መዛሙር ብዝተፈላለያ ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበት ኅቡራት መንግሥታት ኣመሪካን ካናዳን ይቐርቡ ነይሮም።
ኣብ መወዳእታ ኮሚቴ ቤት ትምህርተ ሰንበት ሃገረ ስብከት ምስ ወከልቲ ኣብያተ ት/ሰንበት ብምርኻብ ዓመታዊ ጸብጻብ ከቕርቡ ከለዉ፣ ኣብ ምኅያል ጥርናፈ ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበት፡ ምዕዛዝ ተሳትፎን ኣበርክቶን መንእሰያት ኣብ ንጥፈታት ቤተ ክርስቲያን ዘተኮረ ሰፊሕን ክፉትን ዘተ ምስ ተኻየደ፣ ነዚ ጉባኤ ብሰላም ኣጀሚሩ ንዘፈጸመና እግዚአብሔር ኣምላኽና ንዓመታ ብኣካለ ሥጋ ተራኺብና በዓልና ንምብዓል ከብቅዓና ያብጽሐነ አመ ከመ ዮም እናበልና ንለምን ብምባል እቲ ጉባኤ ብጸሎት ተፈጺሙ።