እዚ ቅርስን ታሪኽን ናይ ዝኃለፈ መንፈሳዊ መንነትን ባህልን ዝገልጽ እሙን ምስክር፣ መሠረት መንፈሳውነትን ሥልጣነን ቀዳሞት አበው ብምዃኑ ብዘመናዊ ኣገባብ ኣብ ዕቃቡ፡ ምምዝጋቡን ምልላዩን ብውሑስ መንገዲ ክዕየ ጸኒሑ እዩ። ኣብ ቃለ ዐዋዲ (ሕገ ቤተ ክርስቲያን) አንቀጽ 46 ብዛዕባ ቅርስን መዘክርን መምርሒ ወፂእሉ ርእሱ ዝኸኣለ ክፍሊ ቅርስን ቤተ መዘክርን ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ቆይሙ፣ ኣብ ስነዳን ምርምርን ከምኡ’ውን ኣብ ምቛም ቤተ መዘክርን ብዙኅ ንጥፈታት ከሰላስል ጸኒሑ እዩ።
ከም መቐጸልታ ንጥፈታቱ ድማ ነቲ ብሃገር ደረጃ ብቑዕ ትኅዝቶን ኣቃውማን ዘለዎ ቤተ መዘክር (ሙዝየም) ንምቕናዕ ዝሕግዝ ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ዝርከብ ቤተ መዘክር ከብሕታት ንዋየ ቅዱሳትን መጻሕፍትን ንዋያት ዝኃለፉ ብፁዓን አበውን ኣብ ምድላው ከምኡ’ውን ነቲ ኣዳራሽ ብቅዱሳት ኣሣእል ኣብ ምውቃብ ዝዓለመ ሥራሓት የካይድ ኣሎ።
ዕላማ እዚ ቤተ መዘክር ንኵሉ በጻሒ ክፉት ብምግባር ኣገዳስነትን ኣፍልጦን ቅርሲ ቤተ ክርስቲያን ምዕባይን ካብኦም በረኸት ንምስታፍ ስለዝኾነ ኵሉ ኦርቶዶክሳዊ ኣበርክቶኡ ከዕዝዝ ጸሓፊ ክፍሊ ቅርስን መዘክርን መሪጌታ ፊልሞን የማነ ብርሃን ተማኅፂኑ።