ኣብዚ ሠለስተ ሰዓት ዝወሰደ ርክብ፣ ኣብ ወቅታውን ህልውን ኵነታት ቤተ ክርስቲያን፣ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ኣብ እስራኤል፣ ጉዳይ ዕድጊ መሬት ኢየሩሳሌም. . . ካልኦት ዓበይቲ ጉዳያትን ሰፊሕ ዘተ ተኻይድሎም።
ነቶም ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ብወገን ሰበካ ጉባኤን ኮሚተ ሕንፃን ዝቐረቡ ርእይቶታትን ሕቶታትን ድማ መብርሂ ተዋሂብሎም።
ብፍላይ ኣባላት ሲኖዶስ ኣብ ዘቕረብዎ ቃለ ምስጋናን ምዕዳንን፦ ንኣባላት ሰበካ ጉባኤን ኮሚተ ሕንፃ ኢየሩሳሌምን ድኅሪ ምምስጋን ብፍላይ ሰበካ ጉባኤ ንተመሃሮ ትምህርተ ሰንበትን ሕዝበ ክርስቲያንን ጠርኒፎም ዘኅልፍዎ ዘለዉ ከቢድ ተጋድሎን ፈተናን ሰማያዊ ዓስቢ ስለዘለዎ በቲ ኂዞሞ ዘለዉ ዕዮ ጸኒዖምን ኣበርቲዖም ክቕጽሉ ቃለ ምዕዳን ሂቦም። ልዕሊ ኵሉ ከኣ ካብዚ ዝነፍስ ዘሎ ምንፍቕና ሃይማኖትን ምፍልላይን ርኂቖም፣ መንፈሳዊ ሓድነቶም ዓቂቦም በዛ ርትዕት ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ክጓዓዙ ከምዘለዎም ኣዘኻኺሮም።
ብተወሳኺ’ውን ኣብ ሕይወቶም በረኸት ክበዝኃሎም ናይ በረኸት ኢድ ኣብ ፕሮጀክታት መንበረ ፓትርያርክ ብፍላይ ከኣ ዕድጊ መሬት ኢየሩሳሌምን ኅትመት 81ዱ መጽሓፍ ቅዱስን ነባሪ ታሪኽ ክሠርሑ ብጸሎትን ማዕዳን ከምዘይፍለይዎም ገሊጾም።