እዚ ንኡስ ሃገረ ስብከት ካብ ዝቘውም ዝተገብረ ርክብ ብምዃኑ ክሳዕ ሕጂ ዘሰላሰሎ ዕማማት፥ ርክብ ምስ ኣብ ትሕቲኡ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን፣ ምጽዳቕ ባጀት፡ ምቛም ቀዋሚ ቤት ጽሕፈት ንኡስ ሃገረ ስብከት፡ ምኅያል ኣብ ምትግባር ንጥፈታት ቅዱስ ሲኖዶስ ዝምልከት ዝርዝር መብርሂ ቀሪቡ። ብፍላይ እቲ ብደረጃ ንኡስ ሃገረ ስብከት ምስ መንበረ ፓትርያርክ ዝግበር ቀጥታዊ ርክብ ብምእኩልን ጥርኑፍን መንገዲ ምዃኑ ዝያዳ ውፅኢታዊ ምንባሩ ተገምጊሙ።
ብተወሳኺ ጉዳይ ፓትርያርክን ምስፍሕፋሕ መንፍቅናዊ ምንቅስቓስ ተሓድሶ ንኣማኒ ሕዝብና ይዕንቅፎ ስለዘሎ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ብፍቓድ እግዚአብሔር መዕለቢ ክግበረሉ ምኅፅንታኦም ኣቕሪቦምን ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ሓቲቶምን።
ብፁዓን ኣቦታት ብወገኖም፣ ኣካየድቲ ናይዚ ንኡስ ሃገረ ስብከት ብጽንዓት ሃይማኖቶም ዝምስከረሎም ብምዃኖም ዝተሰምዖም ሓጐስ ብምግላጽ፡ ኣብ ሓፂር እዋን ኣብ መንፈሳዊ ምኅደራን ኣገልግሎትን ዘሰላስልዎ ዘለዉን ናይ መጻኢ መደባቶምን ምሉእ ኣባታዊ ደገፎም ከምዘይፍለዮም ሓቢሮም። ኣብ መወዳእታ’ውን ንዝጀመርዎ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ብዝለዓለ መንፈሳዊ ትግሃት ሕዝብን መንእሰያትን ብምጥርናፍ ክቕጽልዎ፡ ካብ መንጠልንቲ ተዃሉ ክሕልዉን ክጓስዩን ኣጥቢቆም ብምልባው ቃለ ምዕዳንን ቡራኬን ምስ ሃቡ እቲ ንኣስታት ሠለስተ ሰዓታት ዝወሰደ ርክብ ተዛዚሙ።
ከምዝፍለጥ ንኡስ ሃገረ ስብከት ምሥራቅ ኣፍሪቃ ብመሠረት ሕጊ ቃለ ዓዋዲ ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ዝተረኽብሉ ብዕለት 01 ጥቅምት 2012 ዓ.ም. (2019 ፈ) ዝቖመ ኮይኑ ኣብ ኡጋንዳ፡ኬንያ፡ደቡብ ሱዳን፡ ሱዳንን ሩዋንዳን ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያንን ማኅበራትን ዝጥርንፍ እዩ።