Print this page

ዝክረ ዕረፍት ሓዲስ ሓዋርያ ዘምድረ ኣግዓዚ አቡነ ተክለሃይማኖት ብኽብሪ ተባዒሉ!

Aug 31, 2020

ቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ተክለ ሃይማኖት፡ ካብ ኣምላኩ ቃል ኪዳን ተቐቢሉ ኣብ መበል 99 ዓመቱ ብዕለት 24 ነሓሴ ምስ ዓረፈ፡ ቅዱሳን መላእኽት እናዘመሩ ንነፍሱ ክቕበልዋ ከለዉ፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ኣክሊለ ጽድቅ ሂቡ ናብ ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ኣእተዎ።

በዚ መሠረት፡ ዓመት መጽአ ዝክረ ዕረፍት አቡነ ተክለሃይማኖት ሰንበት 24 ነሐሴ ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናት ክዝከር ከሎ፡ ብፍሉይ ግና ኣብ ብስሙ ዝተጸውዓ ኣብያተ ክርስቲያን ብድሙቕ መንፈሳዊ ሓበን ተኸቢሩ።

ካብ ድሮ’ቲ በዓል ጀሚሩ ሥርዓተ ዋዜማ፡ ስብሐተ እግዚአብሔር በጺሑ። ቀጺሉ’ውን መምህራን ሊቃውንት፡ ተማሃሮ ደቀ መዛሙርት፡ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ዝተሳተፍሉ ነቲ ዕለት ዝምልከት ስብሐተ ማኅሌት ምስ በጽሐ ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑ። ብድኅር'ዚ ታቦት ምስ ዖደ ምህላን ጸሎትን በጺሑ ታቦት ናብ መንበሩ ምስ ተመልሰ ፍጻሜ ናይቲ በዓል ኮይኑ።

ብሓቂ አቡነ ተክለሃይማኖት፡ ምሉእ ሕይወቶም ንእግዚአብሔር ዝወፈዩ፡ ብትምህርቶምን ጸሎቶምን ብርሃን ጽድቂ ዘብርሁ ‘ፀሐይ’ እዮም እሞ፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ ከም አቡነ ተክለሃይማኖት ዝበሉ ብሃይማኖቶም ፍጹማን፡ ብተግባሮም ርቱዓን፡ ብትምህርቶምን ጸሎቶምን ዘብርሁ፡ መምህራንን ኣቦታትን ከብዝኃልና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!

ንዝሰፍሐ ታሪኽ ኣብዚ ንጠውቕ!