እቶም ተማሃሮ ዚተፈተዎ ፈተና፡ ውዳሴ ማሪኣም፡ መልከዐ ማርያም፡ኣንቀጸ ብርሃን፡መልክዐ ኢየሱስ፡ካብ ቅዳሴ፡ካብ ሰዐታት፡ካብ ምሥጢራት ቤተክርስቲያን፡ግዕዝ ንባብን ዘጠቃለለ፡ብጠቅላላ 18 ዓይነት ሕቶታት ዘጠቃለለ ክኸውን እንከሎ፡እቶም ንማዕርገ ክህነት ዚተፈተኑ ድማ፡ካብ ሊጦን፡ኪዳን፡መስተብቁዕ፡ቅዳሴ፡ሰዓታት፡ምስጢራት ቤተክርስቲያን፡ባሕረ ሓሳብ(ኣሥርቆት)፡ንባብ ትግርኛን ግዕዝን ዘጠቃለለ ብድምር 10 ዓይነት ሕቶታት፡ቀሪብሎም።
እዞም ንፈተና ዝቀረቡ፡ኩሎም ፎርም መሊኦም፡ብአበ ነፍሶም ተመስኪርሎም፡ብመምህራኖምን ሰበኻን ጉባኤን ሕዝብን ተመስኪርሎም ዚመጹ ምዃኖም፡ ሓላፊ መንፈሳዊ ክፍሊ ኣገልግሎት ካህናት ሃገረ ስብከት ኣሥመራ መም.ምኪኤል ፍትዊ ገሊጾም።
ብጠቅላላ ካብቶም ዚተፈተኑ ድማ፡ካብቶም ንዲቁና ዚተፈተኑ 40፡ ካብቶም ንክህነት ዚተፈተኑ ድማ 14 ከምዝሓለፉ ተፈሊጡ።
ኣብዚ ዓመት'ዚ ዝግበር ዘሎ መርመራታት ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ፍልይ ብዝበለ ቅዱስ ሲኖዶስ ብዝሃቦ መምርሒ መሠረት ብዅሉ መለኺዒታት ብቃል ይኹን ብግብሪ ጽንዕ ዝበለ ጥንታዊ ሥርዓቱ ዘማልእን ንተመሃሮ'ውን ብግቡዕ ትምህርቶም ክኸታተሉ ዝገብር ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።