Print this page

ክብረ በዓል ሰማዕት ቅድስት ኣርሴማ ብዓቢይ መንፈሳዊ ክብሪ ተባዒሉ!

Oct 12, 2020

ዓመት መጽአ 29 መስከረም ዝክረ ሰማዕትነት ቅድስት ኣርሴማ ኣብ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያን ዝኽበር ኮይኑ፣ ብስማ ዝተሓንፀ ቤተ ክርስቲያንን ዝተገደመ ገዳምን ዘለዎ ኣብ ሃገረ ስብከት ማእከል ዓዲ ሓውሻ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ዓቃቤ መንበር ዘፓትርያርክ፡ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክ፡ ወከልቲ ኃለፍቲ ክፍልታት፡ ገዳማውያን ኣደታት፡ ሊቃውንት ውሉደ ክህነት፡ ምእመናትን ምእመናንን ኣብ ዝተረኽብሉ ተኸቢሩ።

ብመሠረት ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ካብ ጸሎተ ዋዜማ ዝጀመረ ስብሓታተ ማኅሌት፡ ንባባተ መጻሕፍትን፡ ጸሎተ ኪዳን . . .  ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲ ናይቲ ዕለት ምስ በጽሐ፡ ብመሪሕነት ብፁዓን ኣቦታት ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑ። ብምቕጻል ታቦት ብክብሪ ለባስያን ውሉደ ክህነት ተዓጂቡ፡ ብቡራኬ ብፁዓን ኣቦታትን ብዘማርያን ሊቃውንት ተሰንዩ ሠለስተ ሻዕ ዘይሩ ኣብ ዓውደ ምሕረት ምስ ቆመ፡ ሊቃውንት መዘምራን ነቲ ዕለት ዝምልከት ለዘብ ኣስሚዖም። ምስቲ ዕለት ብምትኅኃዝ ስብከተ ወንጌል ብሊቀ ካህናት ሳሙኤል ጸጋይ ተሓጋጋዛይ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ተዋሂቡ። ሊቀ ካህናት ኣብ ትምህርቶም፡ ገድለ ቅድስት ኣርሴማ ብሓፂሩ ድኅሪ ምትራኽ ኣሠር ቅድስት ኣርሴማ ኢሎም። ቀጺሎም’ውን ናይ ሃገርና መበል ካልኣይ ገዳም ደቀ ኣንስትዮ ደብረ ደናግል ብስም ሰማዕት ቅድስት ኣርሴማ፡ ንዓመታት ብዝተቐመጣ መነኮሳይያት፡ ሰበካ ጉባኤን ኣመኃደርቲ ዓዲን ብዝሓተትዎ፡ እግዚአብሔር ፈቒድዎ፡ ቅዱስ ሲኖዶስ ተቐቢልዎ፡ ብሓልዮት ነበርቲ ዓድ ሓውሻ ዕለት 29 መስከረም 2012 ዓ.ም.ግ. ከም ገዳም ተገዲሙ ኣሎ እሞ ዕላማዑ ጐድኒ ጐድኒ መንፈሳዊ ሕይወት ዘክታማት ዝዓብይሉ ጽጉማት ዝጥወርሉ ክኸውን እዩ። ስለዚ ኵልና ኣብዚ ዘለና ኮነ ንካልኦት እናኣረዳእና ዓቕምና ዝፈቕዶ ብጉልበትና ኮነ ገንዘብና ናይ በረከት ኢድና ንዘርግሓለን” ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ ጸሎተ ምህላ ታቦት ብኽብሪ ናብ ቦትኡ ምስ ተመልሰ፡ ብብፁዓን አበው ኣብቲ እምነ መሠረት ክንበረሉ ዝተዳለወ ቦታ ጸሎት በጺሑ። ብብፁዕ ዐቃቤ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮብ ብኣርባዕተ ማዕዘን ምስ ተባረኸ፡ እምነ መሠረት ተነቢሩ። ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን፥ ንሕና ሕዝበ ክርስቲያን ብጉልበትናን ገንዘብናን፣ ገዳም ደብረ ደናግል ድማ ብጸሎትን በረከትን እዩ እሞ ነዘን ኣዴታትና ተስፋ ንኹነን” ኢሎም።

በዚ ድማ ናይቲ ክብረ በዓል ፍጻመ ኮነ።