ኣብቲ ብፁዓን ኣቦታትን፡ ወከልቲ ኃለፍቲ ክፍልታት መንበረ ፓትርያርክ መራሕ ስራሕ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ሊቀ ካህናት ዘርአ አስመላሽን ኣመሓደርቲን ጸሓፍቲን ኣብያተ ክርስቲያናት ሃገረ ስብከት ኣስመራ ኣብ ዝተረኽቡሉ ጉባኤ፡ ሊቀ ካህናት ዘርአ ዕላማ ናይቲ ጉባኤ ንተጋባእቲ ሓጺር መብርሂ መክፈቲ ጉባኤ ሂቦም።
ኃላፊ ክፍሊ ውጥንን ባጀትን ዲያቆን ዓወት ሰመረ ዘመንበረ ፓትርያርክ ብወገኑ ኣብ ባጀታዊ ኣሰራርሓ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ እዋናዊ ሕማም covid 19 ኣብ ውጥናትን ባጀታዊ ንጥፈታትን መንፈሳዊ ኣገልግሎትን ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ጽልዋን ንምፍትሑ ክውሰዱ ዘለዎም ቀዳመታትን ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።
ተሓጋጋዚ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ሊቀ ካህናት ሳሙኤል ጸጋይን ሓላፊ ክፍሊ ኣድያማተ ስብከት ለቀ ካህናት ዘሚካኤል አብርሃምን ብወገኖም ምስፍሕፋሕ መናፍቕነት ንምግታእ ኵሉ ውሉደ ክህነት ኣብዚ ኣሰካፊ ጊዜ ንምእመናኑ ክምህርን ብዝግባእ ክጓስይን ከም ዝግባእ ድኅሪ ምግላጽ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘለዋ ኣህጉረ ስብከታት ነዚ ወሪዱ ዘሎ ሕማም ንምምካት ዝገብሮኦ ዘለዋ ተበግሶታት ኣመስጊኖም።
ካብዚ ቀጺሎም ኵሎም ተጋባእቲ ኣብቲ ዝነበረ ጉባኤ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ንጽልዋ covid 19 ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያንን ጉስነት ምምእመናንን ዝምልከት ሃነጽቲ ሕቶታትን ርእይቶታትን ሂቦም።
ኣብ መወዳእታ ድማ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዕ አቡነ ሉቃስ ኣብቲ ዝነበረ ሕቶን ርእይቶን ሠፊሕ መብርሂን ቃለ ምዕዳንን ምስ ኣስምዑ እቲ ጉባኤ ብጸሎት ተዛዚሙ።