Print this page

ተመሃሮን ዲያቆናትን ብመዓረገ ዲቁናን ክህነትን ተቐቢኦም

Oct 20, 2020

ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራን ማእከልን ንመዓርገ ዲቁናን ካህናትን ዝሓለፉ ተመሃሮን ዲያቆናትን ብብፁዓን ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ፡ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስን ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስን ኣብ ቀጽሪ መንበረ ፓትርያርክ ኣብ ዝርከብ መካና ሰማዕት ቅዱስ ጊዮርጊስ ቤተ ክርስቲያን ቲራቮሎ ሥነ ሥርዓተ መዓርገ ተቐብኦ  ተፈጺምሎም።

ብተወሳኪ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ኃላፊ ሃገረ ስብከት ደቡብ መንደፈራ ደሪቦም ይሠርሑ ብምሕላዎም ናብ ከተማ መንደፈራ ብምኻድ ንፈተና ዝተዳለዉ ተመሃሮን ዲያቆናትን ምስ ኣባላት እቲ ቤት ጽሕፈት ብምኳን መምዘኒ ብቕዓት ድኅሪ ብሃቦም ንዝሓለፉ ብመዓረገ ዲቁናን ክህነትን ኣብ ደብረ ሣህል ቅዱስ ጊዮርጊስ መንደፈራ ቀቢኦም።

ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ንዅሎም ተቐባእቲ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ ምዕዳን ንስኻትኩም ተረከብቲ ቤተ ክርስቲያን ከም ምዃንኩም መጠን ተዋሂብኩም ዘሎ ከቢድ ኃላፍነት ብትግሃትን ብተወፋይነት ቤተ ክርስቲያንኩምን ሕዝብኩምን ከተገልግሉ፡ ትሕዝቶ ትምህርትኹም ብምዕባይ ኣገልግሎትኩምን ጉስነትኩምን ከተኀይኩ ይግባእ ድኅሪ ምባሎም ቅዱስ ሲኖዶስ ንቕሓት ውሉደ ክህነት ንምዕባይ ፈጢርዎ ብዘሎ ባይታ ኣብ መንፈሳውያን ኮሌጃትና ተጸምቢርኩም ፍልጠትኩም ከተማዕብሉ ብሥነ ምግባርን ብትሕትናን ኣርኣያ ሕዝብኹም ክትኮኑ ይግባእ ዝብል ኣባታዊ ምኽሪ ሂቦም።