ብምውህሃድ ክፍሊ ውጥንን ባጀትን ዝተነድፈ ናይ 5 ዓመት ረቂቅ ስትራቴጂካዊ ውጥን ብጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ጸዲቁ

Nov 05, 2020

እዚ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ብኮሚተ ምድላው ስትራቴጂካዊ ውጥንን ክሥርሓሉ ዝጸንሐን ብተሳትፎ ኵለን ክፍልታት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክን ሃገረ ስብከታትን ንኡሳን ሃገረ ስብከታትን ዝተካየደ ዕማም ምድላው ስትራቴጂካዊ ውጥን 5ተ ዓመት 2013 -2018 ዓ.ም.ግ. ኣብ ተግባር ንምውዓል ድኅሪ ዝተኻየደ ጊዜ ዝወሰደ ተከታታሊ ዘተ ብዕለት 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም.ግ ብጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ጸዲቁ።

ኣብቲ ጉባኤ ንዝሓለፉ 5ተ ዓመታት (2015-2020 ዓ.ም.ፈ) ኣብ ሣልሳይ ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ ንዝጸደቐ እማመ (2014 ዓ.ም.ፈ) መሠረት ብምግባር ናይ ምድልዳል ዳግመ ስርርዕ ክካየድን፡ ትካላዊ ኣሰራርሓ ዝምዕብለሉ ባይታ ክንጸፍን ምጽንሑ ብምዝርዝር፡ ውጥናዊ ኣሰራርሓ ንምጅማር ዘኽእል ባጀታዊ ኣሰራርሓ ፋይናንስ ክተኣታቶን፡ ነዚ ጉዳይ ብኃላፍነት ዝከታተል ክፍሊ ውጥንን ባጀትን ክቐውምን መበገሲ ሞያዊ ዓቕሚ ሰብ ድማ ክምደብን ከምዝተገብረ ተነጺሩ።

ናይ 5ተ ዓመት ስትራቴጂካዊ ውጥን ኣብ ምድላዉ ንቝሕ ተሳትፎ ኵሎም ኣካላት ቤተ ክርስቲያን ብምርግጋጽ፡ በዞም ኣካላት ቤተ ክርስቲያን ብዝቖሙ ፯ ጉጅለታት ሰፊሕ ሓሳባትን ውጥናትን ብምቕራብ፡ ብውክልና ካብ ነፍስ ወከፍ ጉጅለ ብዝቖመት ኮሚቴ እቲ ዝቐረበ ሓሳባት ከምዝጥርነፍ ክግበር ከም ዝጸንሐ ተገሊጹ።

ኃላፊ ክፍሊ ባጀትን ውጥንን ዲያቆን ዓወት ሰመረ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ጽማቕ እቲ ሓሳባትን ውጥናትን ድማ ብተጠቃሲት ኮሚቴ ኣቐዲሙ ኣብ ጉባኤ ተወከልቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ቀሪቡ ጉባኤ ካብቶም ዝቐረቡ ጠቕላላ 16 ሸቶታት፡ 70 ዕላማታት፡ 472 ንጥፈታት ብቀዳምነት ክፍጸሙ ዘለዎም ፮ተ ዝርዝር ውጥናት (ምኅያል ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ምኅያል ምስፋሕን ሓዋርያዊ ጉስነትን፡ ምኅያል ምሕደራን ትካላዊ ኣሰራርሓን፡ ምኅያል ፋይናንሳዊ ዓቕምን ሥርሓትን (ኣታዊታትን ንጥፈታትን ፋይናንስ)፡ ምኅያል መራኸቢ ብዙኃንን ማኅበራዊ ሚዲያታንን፡ ምኅያል ሃገረ ስብከታትን ንኡሳን ሃገረ ስብከታትን፡ ሰበኻ ጉባኤታትን) ከምዝቐርብ ተገይሩ። እቶም ኣቐዲሞሞ ዝቐረቡ ኵሎም ውጥናት መስርሕ ትግባሪኦም ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ እዞም ፮ተ ውጥናት ቀዳምነት ተዋሂብዎም ክስርሓሉ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ምርድዳእ ከም ዝበጽሐ ገሊጹ።

ብምቕጻል ዲያቆን ዓወት ሰመረ ስትራቴጂካዊ ውጥን ክዕወት እንተኾይኑ ካብ ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ክሳብ ክልል ሰበኻ ጉባኤታት ብተወፋይነት ክዓይሉ ከም ዘለዎምን፡ እኹል ባጀት ክስልዓሉን ዘድሊ መሳለጥያ ክማልኣሉ ከም ዘለዎን፡ ናይ ዋንነት ስምዒት ክህሉን ከም ዝግባእ ለበዋ ሂቡ።

ኣብ መወዳእታ እቶም ውጥናት ናብ ትግባረ ገጹ ንምስግጋር ተዳልዩ ዘሎ እስትራቴጂክ ውጥን ኃሙሽተ ዓመታት (2021-2025 ዓ.ም.) ጸዲቑ ክስርሓሉ፡ ብመሠረት መምርሒ ስራሕ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኵሎም ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ምትግባር፡ ምክትታል፡ ምቍጽጻር እዚ ውጥን ሥርሖም ብግቡእ ክፍጽሙ መምርሒ ክወሃቦም፡ መራሕቲ ሃገረ ስብከታት ድማ ጎስጓስ ክግበረሎም፡ ቅዳሕ ተጠቃሲ ሰነድ ድማ ንኩለን ሃገረ ስብከታት ክወሃብ፡ ብመገዲ ሃገረ ስብከት ድማ ናብቶም ታሕተዎት ኣካላት ጎስጓስ ክግበር ቅዱስ ሲኖዶስ ብስሙር ድምጺ ወሲኑ።

 

 

 

 

 

     

ዘመነ ማቴዎስ 25 ኅዳር 2013 ዓ.ም.…

December
Friday
4
ዝክር፦ መርቆሬዎስ፡ ወአቃርዮስ፡ ወሮማኖስ። ዘቅዳሴ ምንባብ መልእክታት፦ 2ይ ቆሮ. 7፡4-11 2ይጴጥ. 1፡1-8 ግብ. ሐዋ. 16፡22-27 ምስባክ፦ መዝ. 82/83 ወንጌል፦ ሉቃ. 21፡12-19 ቅዳሴ፦ ቅዳሴ ዘወልደ ነጐድጓድ። * * *
00:00 h
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ተሳትፎን ተገዳስነትን ወራዙት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መንፈሳዊ ኮሌጅ ሥነ-መለኮት ደብረ…

ኣብ መንፈሳዊ ኮሌጅ ሥነ-መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ብናይ ምሸት መርሐ ግብር ትምህርቲ ዝከታተላ ዘለዎ ደቂ ኣንስትዮ ተሳትፍኦንን ተገዳስነትን ልዑል...

“ሰማዕት ቅዱስ ፒሉፓዴር መርቆሬዎስ”

ፒሉፓዴር ማለት ፈታዊ ኣቦ ማለት እዩ፡ ብኻልኣይ ትርጕሙ ከኣ ኣገልጋሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ከምኡ’ውን መርቆሬዎስ ማለት እዩ። ስመ ክርስትና ናይ ኣቦኡ...

ዕሥራን ኣርባዕተን ካህናተ ሰማይ

ብርግጽ ኣብ ዙርያ ዝፋን ጐይታ ዚቖሙን ዘመስግኑን ክቝጸሩ ዘይከኣሉ ኣእላፈ ኣእላፋት ሠራዊተ መላእክት ከምዘለዉ በዓል ራእይ ነቢይ ዳንኤል(ዳን. 7፡10) ደኣ...

ዕሥራን ኣርባዕተን ካህናተ ሰማይ

ብርግጽ ኣብ ዙርያ ዝፋን ጐይታ ዚቖሙን ዘመስግኑን ክቝጸሩ ዘይከኣሉ ኣእላፈ ኣእላፋት ሠራዊተ መላእክት ከምዘለዉ በዓል ራእይ ነቢይ ዳንኤል(ዳን. 7፡10) ደኣ...

ክብረ በዓል ቅድስት ድንግል ማርያም ብድሙቕ መንፈሳዊ ሥነ ሥርዓት ተኸቢሩ

ዓመታዊ 21 ኅዳር ዝኽበር ክብረ በዓል ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ኵለን ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም ታቦት ኣቕሪጸን ቤተ ክርስቲያን ዝሓነጻ...

ኣይትጨነቑ! ማቴ. 6፡25

በቲ ጸቕጢ ጽልግልግታ ሰርቢ፡ውኖይ ምስ ሓከለ ሃዲሙ ካብ ቀልቢ

ምሥጢር ፊደላትና ይተዓቀብ!

ኣብ ልሳነ ግእዝን ትግርኛን፡ ነፍስ ወከፍ ፊደል ናቱ ትርጕምን መግለጽን ኣለዎ። ብኣደማምፃኦም ሓደ ዓይነት ዝኾኑ፣ እንተኾነ ግና ብመልክዕን ቅርጽን ከምኡ’ውን...

ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ኃላፍቲ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓባይ ብሪጣንያ ርክብ…

ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ ከም መቀጸልታ ናይቲ ኣቀዲሙ ምስ ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ሃገረ ስብከታትን ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ከካይዶ ዝጸንሐ ጉባኤ፡...

ቅዱስ ሐዋርያ ፊልጶስ አሐዱ እምዓሠርቱ ወክልኤቱ ሐዋርያት 

18 ኅዳር ዕለተ ዕረፍቱ ናይ ሓደ ካብ ዓሠርተው ክልተ ሓዋርያት ዝኾነ ቅዱስ ፊልጶስ እዩ። ‘ፊልጾስ’፦ ማለት መፍቀሬ አኃው ፈታው ኣኅዋት፣ ኣኃዜ ኲናት...

ዘመነ አስተምህሮ

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕለት፡ ብፍላይ ከኣ ዕለተ ሰንበት እሑድ ዝዝመር፡ ዝስበኽ፡ ዝንበብን ዝቕደስን ብሓፈሻ ዝበጽሕ ስብሐታትን ዝንበብ ቃለ እግዚአብሔርን ምሥጢር...

ጾመ ነቢያት፡ ካብ ሠሉስ 15 ኅዳር ጀሚሩ፡ በዓለ ልደት ድማ…

ቅድሚ በዓለ ልደት ኣብ ዘሎ ጊዜያት፡ “ወጥንተ ዚአሁ መንፈቀ ኅዳር/ መጀመርታኡ ፍርቂ ወርኀ ኅዳር” ከምዝብል ካብ 15 ኅዳር ጀሚሩ ክሳዕ...

ክብረ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ተኸቢሩ ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተባዒሉ!

ዓመት መጽአ 12 ኅዳር እስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጻውያን ብመሪሕነት ሊቀ መላእት ቅዱስ ሚካኤልን ናጽነት ዝወጽእሉ ብምዝካር ዝኽበር ክብረ በዓል ቅዱስ...

  

latest articles

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...