ብመሠረት ዝወፅአ መርሐ ግብር ካብ ዋዜማ ጀሚሩ ክሳዕ ዕለቱ ስብሐተ ማኅሌት “ቅድስት ኣርሴማ ሶበ ተከለለት ደም ወማይ ወሐሊብ እምነ ክሳዳ ፈልፈለ” እናበሉ ምስ ኃደሩ ወጋሕታ ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑ። ብምቕጻል ብኃላፊ ኣቦ ማሕበር ኣባ ምሕረተአብ ነቲ ዕለት ትምህርቲ ተዋህበ።
ብድኅር’ዚ ብኣባላት ቤት ትምህርት ሰንበት ዝተሠርዐ መርሐ ግብር፡ ስብከተ ወንጌል፡ መዛሙርን መንፈሳዊ ተዋሥኦን ቀሪቡ።
ኣብ መወዳእታ ኵለን ኣብ ትሕቲ ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ ዓለም ዝርከባ ኣብያተ ትምህርተ ሰንበት ብኅብረት ሠለስተ መዛሙር ምስ ተዘመረ፡ ብኃላፊ ኣቦ ማሕበር ኣባ ምሕረተ አብ ቃለ ምስጋና ምዕዳን ተዋሂቡ።
እቲ ክብረ በዓል ድማ ብጸሎትን ምህላን ተዛዚሙ።
ቤት ትምህርት ሰንበት ቅድስት ኣርሴማ ሲደሮት ካብተን ኣብ ትሕቲ ጽላል ሰበኻ ጉባኤ መድኃኔዓለም ወቅድስት ድንግል ማርያም እስራኤል ተልኣቪቭ ካብ ዝርከባ ብርክት ዝበላ ማኅበራት ሓንቲ ምዃና ይፍለጥ።