እንሆ ድማ ከም መቐጸልታ ናይዚ ብዕለት 13-14 ኅዳር 2020 ዓ.ም.ፈ ( 3-4 ኅዳር 2012 ዓ.ም.ግ) ቀዳሞት ዛዘምቲ ደረጃ ዲፕሎማ ቤት ትምህርቲ ስነ መለኮት ደብረሲና ቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ፡ ኣብ ኣዳራሽ ቤት ትምህርቲ ስነ መለኮት ናይ መዛዘሚን ትምህርቲ መመረቐን መጽናዕታዊ ጽሑፋቶም ኣቕሪቦም። (senior thesis paper)
ኣብቲ ብፁዓን ኣቦታት፡ ሓለፍቲ ክፍሊ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ፡ ተማሃሮን መምህራንን፡ከምኡ ድማ ዝተፈላለዩ ዕዱማት ላኦለዎት ካብ ኮሌጃት ሃገርናን ዝተፈላለዩ ኣብያተ ጽሕፈትን ትካላትን ኣጋይሽን ዝተረኽቡሉ ጉባኤ፡ ንሠለስተ ዓመታት ናይ ዲፕሎማ ትምህርቶም ክከታተሉ ዝጸንሑ ተማሃሮ፡ ከም ኣካል መዛዘሚ ትምህርቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ነገረ መለኮት 13 መጽናዕታዊ ጽሑፋት ብምድላው ንጉባኤተኛታት ኣቕሪቦም።
እዞም ብደረጃ ዲፕሎማ ዛዘምቲ ዝኾኑ ተማሃሮ ዘቕረብዎም ጽሑፋት፡ ዋላ እኳ ህሉው ኩነታት ኮቪድ 19 ነቲ ዘካየድዎ መጽናዕቲ መሰናኽል እንተ ኾኖም፡ ቅምሶ ወይ ኣብነት ዝኾኖም መጽናዕቲ ብምውሳድ ብደረጃ ቤተ ክርስቲያን ክትኮረሎምን ብዕቱብ ክተሓዙን ዝግቦኦም ኣገደስቲ ዛዕባታት ከቕርቡ ብምኽእሎም፡ እቲ ዘቕረብዎ ጽሑፍ ክምጎስ ዝግቦኦን ንዝላዓለ መጽናዕታዊ ስራሓት ድማ ኣገዳሲ መወከሲ ክኸውን ከምዝኽእል ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ጸብጻብ ኣነጺሩ ።
እዞም ብመምህራንን መንፈሳዊ ኮሌጅን፡ ብግዱሳት መማህራን ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ኮሌጃት ሃገርና፡ እናተኣለዩ፡ ንመጀመርታ ጊዜ መጽናዕቶም ዘቕረቡ ተመሃሮ ኣብ ዝተፈላለየ ዓምድታት ንኣብነት ኣብ ገዳም ደብረ ሲና፡ ር/ኣ /ደ/ጽዮን ቅድስት ማርያም ዝኣመሰሉ ጥንታዊ፡ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ነገረ ሥጋዌ ብመንጽር ሃይማኖተ አበውን ሊቃውንት ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ ኦርቶዶክሳዊ ሥነ ሥዕል፡ . . . ኣብ ሓዋርያዊ ጕስነት ቤተ ክርስቲያን ንጽሙማን ምእማናን ዘተኮረ እዮም ነይሮም።
ጉባኤተኛታት ብወገኖም ኣብቶም በብጊዜኦም ዝቐረቡ ዛዕባታት ዝነበሮም ሕቶታትን ሃነጽቲ ርእይቶታትን ምስ ኣቕረቡ፡ ድማ ዓቃቤ መንበር ዘፓትርያርክ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ እቲ ዘቐረበ ጽሑፋት ንዕብየት ቤተ ክርስቲያን ኣገዳሲ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር ንኹሎም ተማሃሮ ዘለዎም ሰናይ ምንዮት ብምግላጽ ምስ ኣመስገኑ እቲ ጉባኤ ብጸሎት ተዛዚሙ።