ክብረ በዓል ቁስቋም ብደረጃ ሃገር ኣብተን ብስም ቁስቋም ቤተ ክርስቲያን ኣሕኒፀን ታቦት ዘቕረጻ ክብረ በዓለን ብዓቢይ መንፈሳዊ ክብሪ ክበዓል ከሎ፡ ብፍላይ ኣብታ ጥንታዊት ገዳም ኣረጊት ድባርዋ ድማ ድምቀት ነይርዎ።
ከምቲ ሕግን ሥርዓትን ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዝእዝዞ፦ ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝመጽኡ ሊቃውንትን መምህራንን ዋዜማ ብምቋም ነቲ ቅዱስ በዓል ዝምልከት ስብሐተ እግዚአብሔር ኣብጺሖም። ናብ 6 ኅዳር ዘውግሕ ለይቲ ደወል ተደዊሉ ብመዘምራንን ሊቃውንትን ክሳብ ወጋሕታ ያሬዳዊ ዜማታትን ስብሓታትን ምስ በጽሐ፡ ቅዳሴ ተቐዲሱ ዑደተ ታቦት ተገይሩ። መዘምራን ቀቅድሚ ታቦት እናኸዱ “መሶበ ወርቅ እንተ መና ወማዕጠንታኒ ዘወርቅ፡ ተመየጢ ተመየጢ ሃሌ ሉያ ሰላመ ሰጣዊት ወንርአይ ብኪ ሰላም” ዝብል ንፍቕሪ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝገልጽ ጣዕመ ዜማ ኣስሚዖም። ነቲ ዕለት ዝተመደበ ስብከተ ወንጌል ብሊቀ ካህናት ቀሲስ ዘሚካኤል ኣብርሃም፡ ንኽብርን ዕብየትን ናይቲ ክብረ በዓል ቁስቋም ዝምልከት ሕዝቢ ብተመስጦ ዝተቐበሎ ሰፊሕ ትምህርቲ ኣስሚዖም። ብድኅር’ዚ ብብፁዓን ኣቦታት ነዚ ጊዜ ዝምልከት ቃለ ምዕዳን ተዋህበ፡ ኣቦታት ኣብ ቃለ ምዕዳኖም “እዚ ዘለናዮ ከቢድ ጊዜ ብእግዚአብሔር ዝተኣዘዘ ብምዃኑ ኵልና ካብ ካብ ተባህለን ከንቱ ወረን ተፈሊና ብጸሎትን ልማኖን ናብ ኣምላኽና ንምህለለሉ ሰዓት ብምዃኑ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣጥቢቓ ንጸሎት ክንነቕሕ ትጽውዕ” ኢሎም። ኣብ መወዳእታ ቡራኬን ጸሎትን ምስ ተዋህበ እቲ በዓል ብሰላም ተፈጺሙ።