ሊቃውንት ካብ ድሮ እቲ ዕለት “መርሖሙ መዓልተ በደመና፡ ወኲሎ ሌሊተ በብርሃነ እሳት. . . ” እናበሉ እግዚአብሔር ንህዝቡ ንቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ብምልኣኽ መዓልቲ ብደመና ለይቲ ድማ ብብርሃብ እሳት መሪሑ ኣውጽኦም ድኅሪ ምባል፡ ዝተፈላለዩ ነቲ ዕለት ዝውክሉ ቅኔያት እንዳ ኣሰነዩ ከምስግኑ ውዒሎም።
ካብዚ ቀጺሎም ካብ ሰዓት 10፡00 ድኅሪ ቀትሪ ክሳብ ወጋሕታ “ ተወከፍ ጸሎተነ ወስእለተነ ውስተ ኑኃ ሰማይ ” ማለት ጸሎትናን ልማኖናን ኣብ ሰማይ ተቐበለልና እናበሉ ብግሩም ማኅሌት ከመስግኑ ሓዲሮም።
ብድኃርዚ ጸሎተ ኪዳን በጺሑ፡ ንባባት ናይቲ ዕለት ታሪኽ ዝገልጹ ምስ ተነቡ፡ ብመሪሕነት ዋና አመሓዳሪ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ብፅዕ አቡነ ባስልዮስ ጸሎተ ቅዳሴ ተሰሪዑ።
ብምቕጻል ታቦት ብብፅዓን ኣቦታት፡ ሊቃውንት፡ ወርቂ መስቀልን ማዕጠንትን ብዝሓዙ ለባስያን ውሉደ ክህነት ተዓጂቡ ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ሠለስተ ሳዕ ዘይሩ ኣብ ዝተዳለወሉ ዓውደ ምሕረት ምስ ቆመ፡ ሊቃውንት ነቲ ዕለት ዝምልከት ሸብሸቦ ኣሸብሺቦም። ብድኅር እዚ ኣመሓዳሪ ናይቲ ደብሪ መልአከ ሳኅል ቀሲስ ፋኑኤል ንዅሎም ተሳተፍቲ ናይቲ በዓል ሓጺር ቃል ምስጋና ኣስሚዖም።
ኣብ መወዳእታ ብፅዕ አቡነ ባስልዮስ እዚ ዝሓደርናዮ ማኅሌትን ጸሎተ ቅዳሴን ኣብ ሰማያት ኣብ መንበረ እግዚአብሔር በጺሑ ነዚ ወርዱና ዘሎ ሕማም ቀንጢጡ ንዓመታ ዝረሓቐን ዝቐረበን ኣኻኺቡ ብሰላም ንውዕለሉ ይግበረልና ምስ በሉ እቲ በዓል ብጸሎተ ምኅላ ተዛዚሙ።