ቀሲስ ተክላይ ንኣገዳስነት ምምሃር ጓል ኣንስተይቲ ኣመልኪቶም “ፍርቂ ኣካል ሕብረተሰብናን ናበይቲ ደቅናን ደቂ ኣንስትዮ ብምዃነን፡ ደቂ ኣንስትዮ ምምሃር ማለት ሕብረ ተሰብ ምምሃር ማለት ምዃኑ ኣረዲኦም።
ወሲኾም መንፈሳዊ ኮሌጅ ሥነ-መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ቀዳምነታት ናይ ቤተ ክርስቲያን እዩ ዝበሎ መደባት ኣተኪሩ ይሰርሕ ብምጽንሑን ከም ውጽኢቱ ድማ ንዝጸንሐ ድሩትን ውሱንን ኣፍልጦ ካህናትን ዲያቆናትን ኣተኪሩ ኣብ መዓልታዊ መርሐ ግብር ናይ’ቲ ኮሌጅ ይሰርሓሉ ምህላውን ኣብ ናይ ምሸት መርሐ ግብር ድማ ምእመናን ወራዙት ተመሃሮ ሰንበት ዝኾኑ፡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ንክምሃሩ ዕድል ከፊቱ ምህላው ሓቢሮም። እዚ ድማ ሕግን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያን ኣኽቢረን ቅዱሳት መጻሕፍት ዝእዝዝዎ ብትሕትና ክመሊሳን ሃይማኖተን ኣጽኒዐን ኣሰር ቅዱሳት ኣዴታትን ተከቲለን ኽከዳ፡ ድማ ኮሌጅ ይጽእር ምህላውን ጠቒሶም። እዚ ድማ ምምሃር ደቂ ኣንስቲዮ ን ቤተ ክርስቲያን ረብሓ ስለዘለዎ ምዃኑ ኣዘካኪሮም።
ወራዙት ተማሃሮ ናይቲ ኮሌጅ ብወገነን እዚ ኣብ ኣርባዕተ ዓውድታት ትምህርቲ ማለት፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሥነ ምግባር፡ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንን ቋንቋ ግዕዝን ዘጠቓለለ መንፈሳዊ ትምህርቲ ንዕብየት ቤተ ክርስቲያ ብዓቢኡ ድማ ንሂወተንን ንዕብየት ሕብረተ ሰብን ኣገዳሲ ምዃኑ ድኅሪ ምሕባር ብመንፈሳዊ ትምህርቲ ተኾስኲሳ ዝዓበየት ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ገዝኣ ካብ ሙኹስኳስ ደቃ ሓሊፋ ኣብ ምንቕቓሕ ሕብረተ ሰብ ዓቢ ኣበርክቶ ስለ ዘለዋ ንመጻኢ ነዚ ክዉን ንምግባር ቤተ ክርስቲያን ካብአን እትጠልቦ ብዓቕመን ከበርክታ ድልዋት ምዃነን ገሊጸን ።
መንፈሳዊ ኮሌጅ ሥነ መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ናይ ምምሃርን ምስትምሃርን መንፈሳዊ ኣገልግሎቱ ካብ ዝጅምር 4 ዓመት ኣቑጺሩ ምህላዉ ይፍለጥ።