ክብረ በዓል ገዳም ደብረ ኰዳዱ አቡነ ብፁዐ አምላክ ብዓቢይ ክብሪ ተባዒሉ!

Dec 11, 2020

ዓመት መጸ ፩/1 ታኅሣሥ ክብረ በዓል ገዳም ደብረ ኰዳዱ አቡነ ብፁዓ አምላክ ኣጋእዝተ ዓለም ሥላሴ ንአቡነ ብፁዓ ኣምላክ ዝወረዱሎም ዕለት ብምዝካር፡ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ፡ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ደዋርባ ብፁዕ አቡነ ዮሓንስ ሓላፊ ክፍሊ ኣድያማተ ስብከት ሊቀ ካህናት ዘሚካኤል ኣብርሃምን፡ ኣበምኔት ገዳማትን፡ ሊቃውንት መምህራንን ካህናትን ዲያቆናትን ምእመናንን ምእመናትን ሕዝበ ክርስቲያን ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ብኣእጋርን ብመካይንን ናብዚ ገዳም ብምምጻእ ኣብ ዝተረክቡሉ ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተባዒሉ።

ንኽብሪ እዚ በዓል ከኣ ካብ ዋዜማ ጀሚሩ ክሳዕ ጸሎተ ቅዳሴን ዑደተ ታቦትን ስብሐተ እግዚአብሔር በጺሑ። ብኣቡነ ባስልዮስ ዝተመርሐ ጸሎተ ቅዳሴ በጺሑ፡ ታቦት ብምስጋናን ምህለላን እናተዓጀበ ምስ ዖደ፡ ሊቃውንት መዘምራን ነቲ በዓል ዝምልከት ጣዕመ ዜማ ኣስሚዖም። ብድኅር’ዚ ሊቀ ካህናት ዘሚካኤል ምስ ታሪኽ ኣቡነ ብፁዓ ኣምላክ እናኣዛመዱ ነቲ በዓል ዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ ትምህርቲ፡ “ገዳም ደብረ ኰዳዱ ብኣቡነ ብፁዓ አምላክ ከምዝተመሥረተ፡ ኣቡነ ብፁዓ ኣምላክ ብትሕትናን ርድእናን ንነዊኅ ዓመታት ኣብ ደብረ ቢዘን ምስ ጸንሑ፡ ናብ ደብረ ዳሞ ከይዶም ንኃሙሽተ ዓመት ዘሎ ናይ መነኮሳት ገድልን ተግባረ እድን ፈሊጦም ኣብ መበል 42 ዓመት ዕድመኦም ብመንፈሰ እግዚአብሔር ተመሪሖም ናብዚ ደብረ ኰዳዱ ‘ጽልማ’ ከምዝመጹ፡ ኣብዚ ቦታ’ዚ ን30 ዓመት ብጽኑዕ ገድሊ ኣብ ዝነበርሉ’ውን ሠለስተ ሜትሮን ፈረቃን ጉድጓድ ኵዒቶም ለይተ ለይቲ ምእንቲ ከይድቅሱን ንሥጋኦም ከሳቅዩን ብቅድሚኦምን ድኅሪኦምን ሓፂን ሽካል ጌሮም ብጸሎት እናተጋደሉ፡ ቀትሪ ድማ ንሕዝቢ ወንጌል እናመሃሩ፡ ንሕሙማን እናፈወሱ ንእግዚአብሔር ምስ ኣሥመርዎ ኣጋእዝተ ዓለም ሥላሴ ተገሊጾም፡ ‘ጸሎትካን ገድልኻን ተቐቢለዮ ኣለኹ ይኣኽለካ’ ብምባል ከም ዘጸናንዕዎም’ ድኅሪ ምግላጽ  ኣቡነ ብጹዓ ኣምላክ ድማ ኣብ ሲኦል ዘለዉ ኃጥኣን ክሳቀዩ ብመንፈስ ይረኣዮም ስለ ዝነበሩ ነዞም ኃጥኣን ክምሕርሎም ስለ ዝለመኑ፡ ዝለመንካዮ ዘይከልእ ዝሃብካዮ ዘየጥፍእ ልዑለ ባህርይ እግዚኣብሄር ኣምላክ ኣጋእዝተ ዓለም ሥላሴ ልመነኦም ተቀቢሎም ፈረሰ እሳት ተዋሂብዎም ኣብ ሲኦል ንዝነብሩ ኃጥኣን ናብ ገነት ከም ዘእተዉዎም ፡ ብድሕር’ዚ በቲ ፈረሰ እሳት ተመሪሖም ናብ’ቲ መካነ መቓብሮም ዘለዎ ገዳም ጐደይቲ ከም ዝኸዱ መጽሓፈ ገድሎም ይሕብር ክብሉ ገሊጾም።

ብምቕጻል “ናይ ኵሎም ቅዱሳነ እግዚኣብሄር ኣማላድነት ሃገርና ካብ ኵሉ ዘጋጥማ ጸገማት ተሓልያ ትነብር ኣላ። ኣብ’ዚ ዘለናዮ ዘመን ሕማም ኮሮና እንተ መጸ፡ ኣንበጣ ኣንተ መጸ፡ ከም’ኡ ውን ድምጺ ኲናት እንተ ተሰምዐ፡ እዚ ኵሉ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ናይ ሞት ሓደጋ ከየብጽሐ ክተርፍ እንከሎ ቃል ኪዳን ናይዞም ቅዱሳን ስለ ዝሓለወና እዩ ብምባል ብኣጽንዖት ንነጋድያን ኣዘካኪሮም።

‘ስለዚ ክቡራን ሕዝበ ክርስቲያን በቲ ኣቡነ ብፁዓ ኣምላክ ዝተቐበልዎ ቃል ኪዳን ናይዚ በረኸት ተሳተፍቲ ንኸውን ከምዘሎና ተረዲእና ነዚ በዓል ፈቃዳተ ሥጋ ገዲፍና ብመንፈሳዊ መዝሙርን ጸሎትን፡ ፍቕርን ሰላምን ከነብዕሎ ኣሎና’ ብምባል ትምህርቶም ፈጺሞም።

ኣብ መወዳእታ ምህለላ ተገይሩ፡ ታቦት ብኽብሪ ተዓጂቡ ኣብ ቅዱስ መንበሩ ምስ በጽሐ ናይቲ በዓል ፍጻሜ ኮነ።

 

ዘመነ ማቴዎስ 8 ጥር 2013 ዓ.ም.ግ.

January
Saturday
16
ዝክር፦ ቅዳሴ ቤቱ ለማርቆስ ወንጌላዊ በእደ አባ ብንያሚ፡ ወቅዳሴ ቤቱ ለመቃርስ፡ ወዕረፍቱ ለአባ ቢንያሚ፡ ወእንድራኒቆስ። ዘቅዳሴ ምንባብ መልእክታት፦ ገላ. 2፡1-14። 1ይ ጴጥ. 5፡8-ፍጻሜ። ግብረ ሓዋርያት ግብ. ሐዋ. 15፡36-ፍጻሜ። ምስባክ መዝ. 117/118 ወንጌል ሉቃ. 2፡39-ፍጻሜ። ቅዳሴ ቅዳሴ ዘባስልዮስ።  ***
00:00 h

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ስብሐተ ማኅሌት

‘ማኅሌት’፦ ‘ኀለየ፡ዘመረ፡ኣመስገነ’ ካብ ዝብል ግእዛዊ ቃል ዝወፀ ኮይኑ ምስጋና፡ መዝሙር፡ ንእግዚአብሔር ዝቐርብ መንፈሳዊ መሥዋዕት ማለት እዩ። ብሰንበት ዝቅወም ‘መዝሙር መወድስ’...

ክብረ በዓል አቡነ ሊባኖስ ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ!

ዓመት መጽአ 3 ጥር ዝክረ ዕረፍት ኣቡነ ሊባኖስ ዝኽበር ኮይኑ ሎሚ ዓመት’ውን ኣብ ገዳሞም ክብረ በዓል ደብረ ወርቅ ኣቡነ ሊባኖስ...

ግዝረት አመ ፮ ለጥር

ሓደ ካብተን ትሽዓተ ንኡሳን በዓላት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ በዓለ ግዝረት’ዩ። ሠራዔ ሕግ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይካ በይና ኃጢኣት ፡ ሕጊ...

ግዝረት ኣብ ክርስትና፧?!

ግዝረት፡ ማለት ሕፃን ዕልቦኡ ዝኽንሸበሉ ኵነት እዩ። ዕልቦ ፆታዊ ኽፍሊ ኣካል ናይ ሕፃን ብምቕራጽ ዝፍጸም እዩ።

ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን መደብ ፓልቶክ መበል 11 ዓመት…

ኣብ ትኅቲ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ዝመሓደር ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን መደብ ፓልቶክ መበል 11 ዓመት ኣብ ትሕቲ “መስቀሉ ኣልዒሉ...

ዘመነ ልደት

ካብ 29 ታኅሣሥ ክሳዕ 5 ጥር ዘሎ ጊዜ ኾይኑ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብኅቱም ድንግልና ተፀኒሱ፡ ብኅቱም ድንግልና ከም እተወልደ ብሰፊሑ...

“ኮከብ ርኢና፡ ኽንሰግደሉ መጺእና” ማቴ 2፡2

ኣብ ሥነ ፍጥረት ብዕለተ ረቡዕ፡ ካብ ዝተፈጥሩ ሓደ ከዋክብት እዮም። “እግዚአብሔር ድማ ‘ንመዓልቲ ካብ ለይቲ ዝፈልዩ ብርሃናት ኣብ ጠፈር ሰማይ...

ብምኽንያት በዓል ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ 2013 ዓ.ም.ግ (2021)…

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ! ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን እትነብሩ ሕዝበ እግዚኣብሔር፡ ኣብ ሆስፒታል ዘለኹም ሕሙማነ ሥጋ፥ ሕዝብኹም ንምድኃን...

ኣብ ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ ኣብ ጕዳያት…

ብዕለት 15 ታኅሣሥ 2013 ዓ.ም. ላዕለዎት ኃለፍቲ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ምስ ተማሃሮን ምምኅዳርን ቤት ትምህርቲ ሥነ መለኮት ብዛዕባ ኣብ...

ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ዙም ርክባት ይቕጽሎ…

ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ፡ ብምኽንያት ኮረና ቫይረስ ናይ ዙም ርክባት በብጊዜኡ ይቕጽል ኣሎ።

መርሓዊ’ዩ ኣምላኽና!

ኣብቲ ጸልሚ-ጭንቂ ዓዘቕቲ ታኼላ፣ወጥሪ በዚኅወን ኣዕይንተይ ክኾላ፣ ውሽጠይ’ውን እናበለ፥ 

ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ወከልቲ ገዳማት ኤርትራ ብጉዳይ ሓገዝ ገዳማትን ምቕረሐ…

24 ታኅሣሥ 2020 ዓ.ም.ፈ ከም መቐጸልታ ናይቲ ብ23 ታኅሣሥ ምስ ገዳማውያን ዝተኻየደ ጉባኤ፡ ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ወከልቲ ገዳማት ኤርትራ ገዳም...

  

latest articles

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...