ኣብ’ቲ ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ካብ ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያናት ዝመጹ ሰበኽቲ ወንጌልን ኣብ ቤት ትምህርቲ ስነ መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ ትምህርቶም ዛዚሞም ናብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ተመዲቦም ዘለው ብደረጃ ዲፕሎም ትምህርቶም ዝዛዘሙ ተማሃሮን ዝተሳተፍዎ ጉባኤ፡ ንተራን ኣገዳስነትን ስብከተ ወንጌል ብፍላይ ኣብ ኣገልግሎት ዌብ ቲቪን ዌብ ሳይትን ብዕዙዝ ተገዳስነት ክርአ ከም ዘለዎን ተገሊጹ።
ኣብ’ቲ ጉባኤ’ቲ ዝተረክቡ መምህራን ሰባክያነ ወንጌል ብወገኖም፡ እዚ ቤተ ክርስቲያንና ባይታ ኣጣጢሓ ቃል ወንጌል ስበኹ ክትብለና ዘይኮነስ ከምቲ ቅዱስ ቃሉ ዝብሎ ባይታ ፈጢርና’ውን ወንጌል ንምስባኽ ምእዙዛት ብምዃንና ጉባኤ ንዘመሓላልፎ ዘሎ መልእክቲ ከነተግብር ኢና ክብሉ ሓሳቦም ሂቦም።
ኣብ መፈጸምታ ንዅሎም ብፁዓን ጳጳሳት ወኪሎም ቃል ዝሃቡ ዋና ጽሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ብወገኖም፡ መጓሰ እግዚአብሔር ብቃልኩምን ብግብርኩም ስለ ዝጸንዕ፡ ትጉሃትን ሰብ ቅኑዕ ሕልናን ክትኮኑ ካብ ደምበ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንዝምንጥሉ ተዃሉ ከተለልዩን ንምእመናን ብሃይማኖት ንኽጸንዑ ከተኽእሉን ይግባእ ክብሉ ምክሮምን ማዕዳኦም ገሊጾም።