እዚ ብመንገዲ ዙም ዝተገብረ ርክብ ንልዕሊ ኣስታት 2 ሰዓታት ዝወሰደ ኮይኑ፡ ብወገን ሃገረ ስብከት ኣብ ዝኃለፈ ሠለስተ ወርኂ ዝተሰላሰሉ ንጥፈታትን ዘጋጠሙ ፈተናታትን ዕንቅፋትን ብሓፈሻ ንህልዉ ኵነታት’ቲ ሃገረ ስብከት ዝምልከት ብሰፊሑ ተዘትይሉ። ብተወሳኺ’ውን ንትግባረ ዝተፈላለየ ፕሮጀክትታት ዝምልከት ብመሠረት ኣቐዲሙ ብቅዱስ ሲኖዶስ ዝተገብረ ጻውዒት ሓገዝ በቲ ሃገረ ስብከት ዝተገብረ ኣስተዋፅኦን ኣብ መዓላ ኣወዓዕልኡን ምዝርራብ ተገይርሉ።
ብወገን ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ እቲ ሃገረ ስብከት ጻውዒት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኣኽቢሩ ብልዑል ተስፋን ኣበርክቶን ዕውት ኣገልግሎተ እግዚኣብሔር ከምዝፈጸሙ ድኅሪ ምግላጽን ምምስጋንን፣ ቀዳማይ ገጽ ናይቲ ሓገዝ ኣብ ባይታ ንምትግባር፡ ፈለማ ምስ ገዳማትን ብቀዳምነት ዘድልዩ ህጹጻት ሓገዛት ኣብ ምንዳፍን ምንጻርን ይሥራሕ ምህላዉ፡ ከምኡ እውን ትግባረ መንፈሳውን ምኅደራውን ፕሮጀክትታት ምስ ዝምልከቶም ክፍልታት መንበረ ፓትርያርክ ትግባረ ፕሮጀክት ምንጻር ይዳሎ ከምዘሎ ገሊጹ። ኣብ መወዳእታ ድማ ከም ኣጀማምርኡ ብጸሎት ቡራኬን ብፁዓን ኣቦታት እቲ ርክብ ተዛዚሙ።