ይእዛ ኣፕሊኬሽን እዚኣ ኣብ ልሳን ተዋህዶ ዌብ ሳይት ዝፍነዉ ብሊቃውንት ዝተረትዑ ጽሑፋት፡ ብሰንኪ ሕጽረት ኮኔክሽን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ሕዝበ ክርስቲያን ክጥቀመሉ ብዘይምኽዓሉ ኮኔክሽን ኢንተርኔት ኣብ ዘለዎን ዘይብሉ ብቀሊሉ ክጥቀመሉ ብዝብል ዕላማ ብወለንታውያን ደቂ ቤተ ክርስቲያን ዝተዳለወት ኣፕሊኬሽን እያ።
ኣዳላዊት እዛ ኣፕሊኬሽን ኢንጅነር ሳምሶን ኣብቲ ንኣቦታት ዝሃቦ መግለጺ እዛ ኣፕሊኬሽን ካብቲ ኣብ ዌብ ሳይት ዝፍነዉ ዓምድታት ትምህርቲ ሃይማኖት፡ ነገረ ቤተ ክርስቲያን፡ ነገረ ቅዱሳንን ካልእን ዘጠቓለለት እያ።
ክፍሊ መራኸቢ ብዙኃንን ማኅበራዊ ሜድያን ብወገኑ እዛ ኣፕሊኬሽን ናይ መጀመርታ ኮይና ንቀጻሊ ብሰፊሕ ክትቀርብ ምዃናን፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጸሎታት ፡ ኣውደ ኣዋርኅ፡ ግጻዌን ካልእን ክሠርሕ ምስ ዝምልከቶ ኣካል ብምምኻር፡ ወለንታውያን ደቂ ቤተ ክርቲያን ናይ ምጥርናፍ መደብ ከም ዝኃዘን፡ ኣብዚ ሥራሕ ከበርክት ንዝደሊ ድማ ክፉት ባይታ ከም ዘዳለወ ገሊጹ።