ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ወከልቲ ገዳማት ኤርትራ ብጉዳይ ሓገዝ ገዳማትን ምቕረሐ ገንዘባዊ ሓገዝን ጉባኤ ኣካይዱ

Dec 26, 2020

24 ታኅሣሥ 2020 ዓ.ም.ፈ ከም መቐጸልታ ናይቲ ብ23 ታኅሣሥ ምስ ገዳማውያን ዝተኻየደ ጉባኤ፡ ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ወከልቲ ገዳማት ኤርትራ ገዳም ደብረ ሲና፡ ገዳም ኣቡነ ብፁዓ ኣምላክ ጐደይቲ፡ ገዳም ኣቡነ ዮናስ ደብረ ድኁኃን ብጉዳይ ሓገዝ ገዳማትን ምቕረሐ ገንዘባዊ ሓገዝን ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ጉባኤ ኣካይዱ።

ኣብቲ ጉባኤ ብምኽንያት ሕማም covid 19 ንገዳማትን ኣብያተ ክርስቲያናትን ኣጋጢምወን ምስ ዘሎ ፋይናንሳዊ ጸገም ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ኣህጉረ ስብከታትን ኣብያተ ክርስቲያናትን ሓገዝ ከበርክታ ብቅዱስ ሲኖዶስ ብዝቐረበ መጸዋዕታ፡ ክሳብ ሕጂ ተረኺቡ ዘሎ ገንዘባዊ ሓገዝን ክግበሩ ዝጸንሑ ጻዕርታትን ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክን ኣብ ጉባኤ ቀሪቡን ተሰሚዑን።

ኣብዚ ጸብጻብ ድማ ጻውዒት ቅዱስ ሲኖዶስ ኣኽቢረን ሓገዘን ካብ ዘወፈያ ኣህጉረ ስብከታትን ኣብያተ ክርስቲያናትን ክሳብ ሕጂ ኣስታት 6.5 ሚልዮን ናቕፋ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣብ ሕሳብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኣታዊ ኮይኑ ከም ዘሎ ተነጺሩ።

ነዚ መሠረት ብምግባር ድማ ብጉባኤ ንምቕረሐ ገንዘብ ዝምልከት ዘተ ድኅሪ ምክያድ፡ ካብቲ ኣታዊ ኮይኑ ዘሎ ገንዘብ ብቐዳምነት ንዅለን ገዳማት ኤርትራ 2.2 ሚልዮን ናቕፋ ክወሃብ፡ እቲ ዝተረፈ ድማ ንኮሌጅ ፍኖተ ብርሃንን ንቤት ትምህርቲ ሥነ መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅን፡ ከምኡ ድማ ንምምዕባል መራኸቢ ብዙኃን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣገልግሎት ዌብ ሳይትን ዌብ ቲቪን ክውዕል ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ።

ኣብ ምቕረሐ ገንዘብ ገዳማት ውን ብመጠን ብዝኂ መነኮሳትን መነኮሳይያትን ከምኡ ውን ንዕብየትን ጥንታውነትን ገዳምት ኣብ ግምት ብምእታው በብደረጃኡ ኣብ ሠለስተ ብምምቃል ክመቓራሕ ተረዳዲኡ። በዚ መሠረት ድማ ብቀዳማይ ደረጃ ዝተሰርዓ 10 ገዳማት ነፍስ ወከፈን 150 ሽሕ ናቕፋ፡ ብኻልኣይ ደረጃ ዝተሰርዓ 6 ገዳማት ነፍስ ወከፈን 75 ሽሕ ናቕፋ፡ ብሣልሳይ ደረጃ ዝተሰርዓ ገዳማት ድማ 31 ሽሕ ናቕፋ ክወሃበንን ኣብ ቀጥታዊ መዓላ ክውዕልን እቲ ጉባኤ ብስሙር ድምጺ ወሲኑ ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ቅዱስ ሲኖዶስን ኣበ ምኔታት ገዳማትን ነቶም ነዚ ገንዘብ ዝሃቡን ነቲ ዝተወፈየ ገንዘብ ድማ ኣታዊ ንክኸውን ከቢድ ጻዕርታት ዘካየዱን ኵሎም ኣካላት ብራኬኦምን ምስጋናኦምን ኣመሓላሊፎም ።

      

ዘመነ ማቴዎስ 2 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም.…

April
Saturday
10
ዝክር፦ አባ ስምዖን፡ ወፈጠረ ብርሃናተ፡ ወማቱሳላ፡ ወክርስቶፎሮስ ገጸ ከልብ። ዘቅዳሴ ምንባብ መልእክታት ሮሜ 5፡15-ፍጻሜ ያዕ. 3፡1-10 ግብ. ሐዋ. 14፡11-18 ምስባክ መዝ. 135/136 ወንጌል ማቴ. 15፡21-28 ቅዳሴ ቅዳሴ ዘዲዮስቆሮስ።         *   *   *
00:00 h

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

6ይ ሰንበት፡ ‘ገብርኄር’

 ሻዱሻይ ሰንበት ዓቢይ ጾም “ገብርኄር” ትበሃል። እዛ ሰንበት እዚኣ ‘ገብርኄር’ ዝተሰምየት፡ ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ፡ ብዛዕባ ቅኑዓት...

አሥርቆት ዘወርኀ ሚያዝያ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ! አሥርቆት ዘወርኀ ሚያዝያ ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ ሚያዝያ ያብጽሐነ እስከ ወርኀ ግንቦት በሰላመ እግዚአብሔር...

ኣብ ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ ሓዲሽ እብረ ትምህርቲ…

ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ፡ ነቲ ኣብ መሥርሕ ዝጸንሐ ትምህርቲ መዕጸዊ ብምግባርን  ሓደስቲ ተማሃሮ ብምቕባልን ሓድሽ እብረ ትምህርት ጀሚሩ።

ኣብ ገዳም አቡነ ብፁዐ አምላክ ልምዓታዊ ዕዮታት ብጽቡቕ ይሳለጥ ኣሎ!

ኣብ ገዳም አቡነ ብፁዐ አምላክ፡ ልምዓታዊ ዕዮታት ብፍላይ ከኣ ኣብ ሕንፃዊ ሥራሓት ብጽቡቕ ይሳለጥ ኣሎ! እዚ ገዳም እዚ እቲ ተደኲንሉ...

ንኣይ’ሲ ሰብ የብለይን! (ዮሐ. 5፥7)

 ኣብዛ ኖትጊ መከራ እትተፍእ፤ ቂምን በቀልን እሾኽን ተኾርባን እተብቍል፤ መጺጽን ዕረን፡ ከርተትን ስደትን ኃዘንን ጭንቀትን እተመልአት፤ መድረክ ፈተና ዝኾነት ዓለም፡...

“ይጹም ልሳን” - ቅዱስ ያሬድ

ሰብ፡ ዝፍጽሞም ረቂቃንን ግዙፋንን፣ ናኣሽቱን ዓበይትን ብዓይነቶም ዝተፈላለዩ ኃጣውእ ኣለዉ። ግናኸ ኵሉ ዓይነት ኃጢኣት ይዕበ ይንኣስ ካብ እግዚአብሔር ዝፈሊ እዩ።...

ገዳም ደብረ ጽጌ ወደብረ ድኁኃን ኣቡነ ዮናስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ! ሀሎ አሐዱ ብእሲ በአሐቲ ሀገር እንተ ስማ ቡር ሀገረ መስቀል ዘስሙ ንዋየ እግዚእ ወስመ...

መግለጺ ቅዱስ ሲኖዶስ

መግለጺ ቅዱስ ሲኖዶስ

ኣብ እምባደርሆ ዝእለዩ ዘኽታማት ተናበይቲ ብተማሃሮ ትምህርቲ ሰንበት ተበጺሖም!

ብዕለት 27/06/2013 ዓ.ም.ግ ኣብ ሃገረ ስብከት ማእከል ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰረጃቓ እምባደርሆ ብሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድኅነትን ዝእለዩ ዘኽታማት ተናበይቲ፡ ብመንእሰያት...

ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ላዕለዎት ኣመኃደርቲ ናይ ወፃኢ ኣህጉረ ስብከታት ብመንገዲ…

ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝርከቡ ላዕለዎት ኃለፍቲ ኣህጉረ ስብከታት፡ ንኡሳን ኣህጉረ ስብከታትን ኣመኃደርቲ ሰበካ ጉባኤን ኣብ እዋናዊ ጉዳይ...

ኣብ ሃገረ እስራኤል ብቑዕ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ይወሃብ ኣሎ!

ኣብ ማእከላይ ምሥራቅ ካብ ዝርከባ ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብቀደምነት እትጥቀስ መድኃኔ ዓለምን ቅድስት ድንግል ማርያምን ቤተ ክርስቲያን...

ወገብረ ሰላመ በደመ መስቀሉ/ ብደም መስቀሉ ሰላም ገብረ። ቈላ. 1፡19-20

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!    * ኣመጻጽኣ መስቀል፣ መስቀል ማለት ‘ሰቀለ’ ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሲ ዝተረኽበ ኾይኑ ትርጕሙ ድማ ዝተመሳቐለ...

  

latest articles

PRAYER

Prayer is a word by which man communicates with his Creator in Faith, thanking and beseeching Him for the forgiveness...

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...