በዚ መሠረት፡ ሠሉስ 20 ታኅሥሥ 2013 ዓ.ም. ካብ ሰዓት 10:30-01:30 ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ድኅሪ ምክሳት ሕማም ኮቪድ 19 ንካልኣይ ጊዜኡ ምስ ምምኅዳር ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ኣካይዱ።
ድኅሪ መክፈቲ ጸሎትን ቡራኬን ብፁዓን ኣቦታት፡ ፈለማ ልዑል እግዚኣብሔር ነዚ ኣብ ዓለም ወሪዱ ሕይወት ኣሽሓት ዜጋታት ዝወስድን ዘሕምምን ዘሎ፡ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ብልዑል ናህሪ ዝላባዕ ዘሎ ሓደገኛ ሕማም ኮረና ቫይረስ፡ ፈውሰ ምሕረቱ ከውርደልና ክንጽሊ ይግባእ ብምባል፡ ህልው ኵነታት ቤተ ክርስቲያን ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ብሓፈሻ ምእመናን ወምእመናት ብፍላይ ብዕምቆት ተወኪሶም።
ኃላፍቲ ምምኅዳር ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ብወገኖም፡ ብፁዓን ኣቦታት ኣብዚ ፈታኒ እዋን ንኵሉ ተጻዊሮም ኵነታት መጓሰኦም ብተገዳስነት ደሃይ ምግባሮም ኣባታዊ ተግባር ምዃኑ ብምግላጽ ብጸሎት ብፁዓን ኣቦታት ንኵሉ ሕዝቢ ዓለም ፈውሰ ምሕረቱ ክልእኽ ተመንዮም። ብምቕጻል ኣብ ጉዳይ ሓገዝ ጻውዒት ቅዱስ ሲኖዶስ ክሳብ ሕጂ ብመንገዲ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ተዋፂኡ ዘሎ ገንዘብ፡ ከምኡ’ውን ኣብ መዓላ ናይ ምውዓሉ ተበጊሱ ዘሎ ኣዝዩ ምእኩል ዝኾነ ምቅረሐን ምደባን ሓገዝ ዝምልከት ዘተ ተካይድሉን ርእዩ ሃገረ ስብከት ተሰሚዑን።
ብድኅሪ እዚ ኣብ ዳግመ ሥርርዕ ሃገረ ስብከት፡ ኣብ ቀዳማይ ርክብ ብዛዕባ ክትግበሩ ዝተሓተሎም ነጥብታት፡ ብፍላይ ድማ ብዘይ ማእከልነት ቅዱስ ሲኖዶስ ሃገረ ስብከትን ዝምልከተን ኣድባራት ሰበካ ጉባኤያትን፡ ብኢደ ዋኒኖም ተሓታትነትን ንጹርነትን ግልጽነትን ዘይብሉ ብውልቀ ሰባት ተቆርቆርቲ ገዳማት እናመሰሉ ብስም ገዳማት ዝእከብ ገንዘብ፡ መዓልኡን ተቀባሊኡን ዘይፍለጥ፡ ንካልእ ዘይተደልየ ንእግዚአብሔር ዘየሥምር ዕላማን ኣጀንዳን ዝኃዘ ብምዃኑ ብህጹጽ ዝምእከለሉ መንገዲ፡ ሕዝብና እኹል ኣፍልጦን ሓበሬታ ዝረኽበሉ ባይታ ምይይጥ ተካይድሉ።
ኣብ መወዳእታ ብወገን ሃገረ ስብከት ንዝተዋህበ ዕድል ደጊሞም ብምምስጋን ኣብ ዕዮኦም ዓቢይ ተስፋ ከም ዝኾኖም ብምግላጽ ሥሩዕ ወርኃዊ ዕለት ጉባኤ ብሓባር ተወሲኑ።