ብምቕጻል እታ መግለጺት እምነትና ዝኾነት መዝሙርን “ነአምን በአብ” ብኣባላት ክፍሊ መዝሙር ምስ ተዘመረት፥ ሓፂር መግለጺ ብዛዕባ ናይ ዕለቱ ወንጌል ብኣቦ ወንበር ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ቀሲስ ዘርእሠናይ መግለጺ ተዋሂቡ። ‘ነዚ ጉባኤና’ ምስ ተዘመረ ብኽፍሊ ሥነ ጥበብ “መስቀል ንጹሮ፡ ንሱ’ዩ ዝጾረና” ዝብል ግጥሚ ቐሪቡ።
ኣብቲ ዕለት ንኵሎም ኣገልገልትን ተሳተፍትን መደብ ፓልቶክ ኣቓልቦ ዝሰሓበ ድማ፡ መደብ ሕፃናት ስዒቡ። እቶም ኣብ ስደት ዝነብሩ ሕፃናት ዘቕረብዎ መደብ፡ ጸሎት ዘዘወትር ክሳብ ‘መን ፈጠረካ’ ዝብል ብዛዕባ ምሥጢረ ሥላሴ ምስ በሉ፥ ሠለስተ መዛሙር፡ “ንአምን ብሥላሴን” ከምኡ’ውን ክብርኪ ድንግል ይሴብሑ በዜማ ዝብል ናይ ወላዲተ አምላክ መዝሙር ኣቕሪቦም። ብድኅሪ መደብ ሕፃናት ብኣቦና ቀሲስ ተኽለብርሃን ኣቦ ወንበር ሃ/ስ/ሕ/መ/ኣ/ካ ድማ ትርጕም መስቀልን ውዕለት መስቀል ኣብ ድኅነትናን ንሕና’ከ መስቀልና ጾይርና ንስዕብዶ ኣሎና ዝብል ሰፊሕ ስብከት ቐሪቡ። ብድኅሪ ናይ ዕለቱ ስብከት ድማ መዘመራን መደብ ፓልቶክ “ዓስቢ ክቡር ሞተይ ውሉደይ እንዲኻ፣ ብልጽቲ ህያብ ካበይ ኮነለይ፧ መስቀል ብርሃን ለኵሉ ዓለም መሠረተ ቤተ ክርስቲያን ዝብሉ ሠለስተ መዛሙር ኣቕሪቦም። ሰዓት 19:00 (7:00) ምስ ኮነ ድማ ብዙኃት ኣቦታት ዘሳትፈ መደብ ሕቶን መልስን ስዒቡ። ኣብቲ ምስ ኣቦታትን ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያንን ዝተገብረ ሕቶን መልስን፥ ምእመናን ምስ ቤተ ክርስቲያን ብኸመይ ይራኸቡ፧ ብኸመይ’ከ ኣብ ሃገረ ስደት ነታ ቅድስት ቅንዕትን ወልድ ዋሕድ ሃይማኖቶም ይጸንዑ፧ ዝብል ሰፊሕ ናይ ሕቶን መልስን መደብ ተኻይዱ።
ብድኅሪ ሕቶን መልስን ምስ ኣቦታት ስዒቡ ዝቐረበ፥ ሌላ ምስ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን መደብ ፓልቶክ ኮይኑ፡ መደብ ፓልቶክ መዓስን ብመንን ተጀሚሩ፡ ካብ መዓስ’ከ ብብሃገረ ስብከት ክመኃደር ጀሚሩ፣ ኣካይዳን ምኅደራን ከምኡ’ውን ዕላማን መደብ ፓልቶክ፡ እንታይ ይመስል፧ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት’ከ መደብ ፓልቶክ እንታይ ይሠርሕ ኣሎ፧’ ዝብል ሓፂር መብርሂ ተዋሂቡ። ቀጺሉ ብኽፍሊ ሥነ ጽሑፍ ብዛዕባ ናይ ዕለቱ ቴማ ዝገልጽ ሥነ ጽሑፍ ቀሪቡ።
ብኣገልገልቲ መደብ ፓልቶክ፡ ናይ ኅብረት መዝሙር ‘ንለምን ንመህለል’ ዝብል መዝሙር ምስ ቀረበ ከባቢ ሰዓት 21:00 ናይ ምሸት ሌላ ምስ ኣብነታውያን ኣገልገልቲ መደብ ፓልቶክ ዝብል መደብ ስዒቡ ቀሪቡ። ኣቶክርኡ ኣብ መደብ ፓልቶክ ኮይኑ፣ መደብ ፓልቶክ እንታይ እዩ፧ ሓደ ሰብ’ከ ማኅበራውን መንፈሳውን ሕይወት እናመርሐ ከመይ ጌሩ ኣብ መደብ ፓልቶክ ይሳተፍ፧ ከምኡ’ውን ምስ ኃዳርን ቈልዑ ምዕባይን ኣብ መደብ ፓልቶክ ምግልጋል ወይ ምስታፍ ከመይ ይከኣል፧ . . . ዝብሉ ኣርእስታት ብኣብነታውያን ኣገልገልቲ መደብ ፓልቶክ መብርህን መግለጽን ተዋሂቡ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ዝኾነ ብዛዕባ መደብ ፓልቶክ ዘለዎ ጌጋ ርድኢት ኣሪሙ ክሳተፍ፣ ብፍላይ ውልደ ክህነትን ኣገልገልትን ድማ ኣብ መደብ ፓልቶክ ክተግሁን በቲ ዝተዋህቦም ጸጋ መሥዋዕቲ ከፊሎም ነቲ ፋሕ ኢሉ ዘሎ ምእመን ኣብ ምእካብ ግዲኦም ከበርክቱ ከም ዘለዎም ተላብዮም።
ቅድሚ ምዝዛም ናይቲ ዓመታዊ በዓል ድማ ኣቦ ወንበር ፓልቶክ ኃላፊ ክፍሊ ሜድያ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ቀሲስ ሰሎሞን ቃል ምስጋና ምስ ኣስምዑ፡ ንዓመታ ካብዚ ንላዕሊ ብኣካል ኣብ ሓደ ሃገር ተጋቢእና ከነብዕሎ ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና” ብምባል ሠናይ ትምኒቶም ገሊጾም። ኣብ መወዳእታ መዛዘሚ ናይቲ ዝነበረ ዓመታዊ በዓል ድማ ቃለ ምዕዳንን ጸሎትን ብቆሞስ ኣባ ሃብተ ወልድ ወኪል ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ተዋሂቡ።
ከም ዝፍለጥ መደብ ፓልቶክ ኣገልግሎት ክህብ ዝጀመረ ካብ ቅድሚ ከባቢ ዓሠርተ ሓደ ዓመት ብትጉሃን ደቂ ቤተ ክርስቲያን እዩ። ነዚ ክፍሊ ሩም ካብ “ቤተ ክርስቲያን ኪዳነ ምሕረት ለንደን” ኮይኑ ንመጀመርታ ጊዜ ዝኸፈቶ ሓደ ግዱስ ኦርቶዶክሳዊ ኣማኒ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝቕመጥ ኃውና ሳሙኤል እዩ። ብተወሳኺ’ውን ኣብ መላእ ኣውሮጳ ዝርከቡ ኣቦታት ካህናት ኮኑ መሪጌታታት ውን ካብቶም ቀንዲ ጀመርትን ኣካየድትን ናይዚ መደብ ከምዝነበሩ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ብግዱሳን ሰባት ዝተጀመረ መደብ ፓልቶክ ተጸዋዕነቱ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ኪዳነ ምሕረት ዓዲ እንግሊዝ እዩ ነይሩ። እንተ ኾነ ንዝያዳ ዕቤትን ኣገልግሎትን ኣብ ትሕቲ “ሃገረ ስብከት ክሰጋገር ብምልኣት ተወሲኑ። በዚ መሠረት ካብ ዕለት 15/8/2014 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ መደብ ፓልቶክ ንመጀምርታ ጊዜ ዋንነቱ ተወካሊኡ ኣብ ትሕቲ “ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካን ካናዳን” ብምኻን ብምሉእ ኃላፍነትን ክሠርሕ ጀሚሩ። ብድኅሪ’ዚ ድማ ካብ ዕለት 10 መጋቢት 2012 ዓ.ም. ( 10/03/2020 ፈ.) ጀሚሩ ምሉእ ብምሉእ ናብ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ተሰጋጊሩ። በዚ ኸኣ ክሳብ እዚ ዕለትዚ መደብ ፓልቶክ ኣብ ትሕቲ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ኮይኑ ብመሪሒነት ሰበኻ ጉባኤ ይካየድ ኣሎ።
ሰሙናዊ ብቐጥታ ዝመኃላለፉ መደባት ናይ ኤ/ኦ/ተ/ቤ መደብ ፓልቶክ፦
- መደብ ፓልቶክ ካብ ሰኑይ ክሳብ ሰንበት ሰሙን ምሉእ ብዘይ ምቍራጽ ካብ ሰዓት 17:00---03:00 am ናይ ምሸት ብዝተፋላለዩ መደባት ኣገልግሎት ይህብ።
- ናይ መዝሙርን ዝተቐድሐ ስብከትን መደብ ካብ 17:00-19:00
- ናይ ጸሎት መደብ ካብ 19፡00-20፡00
- ናይ ስብከት መደብ ካብ 20፡00-21፡00
- ናይ ሥነ ጽሑፍ መደብ ካብ 21፡00-21፡15
- ናይ ኮርስ ትምህርቲ መደብ ካብ 22፡00-23፡00
- ናይ መዝሙር መደብ ካብ 23:00-00:00
- ሰኑይ ንረቡዕን ዓርብን ድማ ብዝተፈላለዩ መደባት ናይ ኣሜርካን ካናዳን ካብ 00:00-3:00 ይቐርብ።
- ነዚ መደብ ዘካይዱ ኣገልገልቲ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዓለም ዝርከቡ ኮይኖም ጠቕላላ ቍጽሮም ማለት ኣድሚናት/መራሕቲ መደባትን ሥነ ጽሑፍ ምስ ኣቦታት መምሃራን ሓዊስካ ኣሥታት 50 ይበጽሑ።
- ቍጽሪ ተገልገልትን ተሳተፍትን ምእመናን ዝፈላለ እኳ እንተ ኾነ ዝበዝኀ ግዜ ግን ካብ 80 ክሳብ 150 ይበጽሕ። ኣብ ፍሉይ መደባትን ኣብ እዋን ዓቢይ ጾምን ግና ልዕሊ 250 ምእመናን ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ኮይኖም ነዚ መደባት ይሳተፍዎ።
ነዚ መደባት ቤተ ክርስቲያን ንኽንፈልጦን ንኽንበጽሖን ንዝያዳ ሓበሬታን መብርህን በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ክንውከስ ንኽእል።
ዩቲብ ቻነል፦
https://www.youtube.com/channel/UC803z1Y14YP8VDYEms3n0Qw
ፌይስቡክ፦ https://www.facebook.com/1516061301785416/posts/3630603563664502
ኢመይል፦ This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
ከምዝፍለጥ መደብ ፓልቶክ ብቐጥታ ኣብ ገጻት ኢንተርነት ዝወሃብ ወይ ዝመኃላለፍ መደብ ዝኾነ ሰብ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ኮይኑ ክከታተሎ ዝኽእል መደብ እዩ።