ካብ ዋዜማ ብድሮ ዕለት 2 ጥር ነቲ ናይ ጻድቅ በዓል ምስ በዓለ ልደት ክርስቶስ ብምስናይ ስብሐተ እግዚአብሔርን ቅኔታትን ብሊቃውንቲ በጺሑ። ብድኅሪ ዋዜማ ካብ ሰዓት 8፡00 ምሸት ጀሚሩ ድማ ስብሐተ ማኅሌትን ጸሎተ ሰዓታትን ብሊቃውንት መዘምራንን ገዳማውያን ኣበውን ምእመናንን ክበጽሕ ኃዲሩ።
ብመሠረት መርሐ ግብር ሰዓት 10፡00 ቅድሚ ቀትሪ ታቦተ ሕጉ 3ተ ጊዜ ምስ ዖደ፡ ሊቃውንት መዘምራን “ወተቀበልዎ መላእክት አብእዎ ኢየሩሳሌም/ መላእኽት ተቐቢሎም ኣብ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ኣእትዮሞ” እናበሉ ወሪቦም። ብድኅር’ዚ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ምስ ታሪኽ ኣቡነ ሊባኖስ ብምትኅኃዝ ስብከተ ወንጌል ምሂሮም። ኣብ ትምህርቶም ነዚ ዘለናዮ ከቢድ ጊዜ ብጾምን ጸሎትን ናብ እግዚአብሔር ክንምህለል ይግባእ” ብምባል ቃለ ምዕዳንን ቡራኬን ምስ ሃቡ ፡ ጸሎተ ምህላ ተገይሩ ታቦት ናብ ክብሪ መንበሩ ኣተወ።
ኣብ መወዳእታ ብብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዝተመርሑ ቀዳስያን ጸሎተ ቅዳሴ ምስ ተሠርዐ፡ ብገዳምን ብከባቢ ዓድን ካብ ዝተዳለወ መኽፈልቲ ኵሉ ነጋዳይ ምስ ተኻፈለ ናይቲ በዓል ፍጻሜ ኮይኑ።