ዓመት መጽአ በዓለ ጥምቀት ብዋዜማ ጐይታ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ ናይ ምውራዱ ምሳሌ ዝገልጽ ምሥጢር ንምግላጽ ናይ ሸሞንተ ኣብያተ ክርስቲያን ታቦተ ሕጉ ብሊቃውንት መዘምራን ብዝማሬ ተመሃሮ ትምህርተ ሰንበትን ምህላ ኣቦታትን ኣደታትን ብሓፈሻ ብተሳትፎ ኵሉ ሕዝበ ክርስቲያን እናተዓጀበ ብጐደናታት ኣሥመራ ናብ ባሕረ ጥምቀት (ባሕቲ መስከረም) ወሪዱ ኣብ ዝተዳለወሉ ቦታ ይኣቱ ምንባሩ ይዝከር።
ሎሚ ዓመት ግና ብሰንኪ ኣብ ዓለምና ወሪዱ ዘሎ ሕማም ኮረና ብፍሉይ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ኣድባራት ቅድስት ማርያም ካብ ምሸት ሰዓት 8፡00 ጀሚሩ ማኅቶተ ቤተ ክርስቲያን ሊቃውንት ``ክርስቶስ ተወልደ ክርስቶስ ተጠምቀ ወለደነ ዳግመ እማይ ወእመንፈስ ቅዱስ/ ክርስቶስ ተወሊዱ ክርስቶስ ተጠሚቁ ዳግማይ ወሊዱና ካብ ማይን መንፈስ ቅዱስን” ፣ አማን በአማን መንክር ስብሐተ ጥምቀቱ/ ብሓቂ ብሓቂ ነገረ ጥምቀቱ ዕፁብ ድንቂ እዩ . . .” እናበለ ምሉእ ለይቲ ስብሐተ ማኅሌት ምስ ኣብጽሑ፡ ብለባስያን ውሉደ ክህነት ተኣምረ ማርያም ክንበብ ከሎ ጸሎተ ኪዳን ድማ ብዓቃቤ መንበር ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ብፁዕ አቡነ ጴጥሮስን ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ አቡነ ሉቃስን እናተመርሐ በጺሑ።
ወጋሕታ ሰዓት 5፡00 ብመሪሕነት ብፁዓን ኣቦታት ሥርዓተ ቅዳሴ ዓሪጉ። ብምቅጻል ታቦተ ሕጉ ብብፁዓን ኣቦታት ጳጳሳት ተሰንዩ ብላባያን ውሉደ ክህነት፡ ብሊቃውንት መዘምራን ተዓጂቡ ነቲ ብድሮ ጐይታ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ ናይ ምውራዱ ምሳሌ ዝገልጽ ምሥጢር ዝግበር ዝነበረ ሥርዓት ንምግላጽ ካብ ቀጽሪ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ናብ ባሕረ ጥምቀት ወሪዱ።
ንምብራክ ማይ ባሕረ ጥምቀት ብፁዓን ጳጳሳት መኽፈቲ ጸሎት ምስ ተገብረ፡ ውዳሴ ማርያም ተዓዲሉ ጸሎት ስርዓተ ቅዳሴን ኪዳንን ጸሎተ ወንጌል በጺሑ። ነቲ ዕለት ዝምልከት ስብከተ ወንጌል ብመምህር ስምዖን በየነ ኃላፊ ክፍሊ ስብከተ ወንጌል ዘመንበረ ፓትርያርክ ምስ ተኻየደ፡ ብብፁዓን ጳጳስትን ለባስያን ውልደ ክህነትን በርባዕቲኡ መኣዝን ማይ ባሕረ ጥምቀት ተባሪኹ ሥርዓተ ምንጻግ ማየ በረኸት ተፈጸመ።
ደጊሞም መምህራን `` ኃዲጎ ተስዓ ወተስዓተ ነገደ ቆመ ማእከለ ባሕር/ ተስዓን ትሽዓተን ነገደ መላእክት ኃዲጉ ኣብ ማእከል ባሕሪ ቆመ” እናበለ ኣሸብሺቦም። ብምቕጻል ብብፁዓን ኣቦታት ነዚ ዕለት ዝምልከት ምዕዳንን ቡራኬን ምስ ተዋህበ ጸሎተ ምህላ በጽሐ። ኣብ መወዳእታ ታቦተ ሕጉ ብክብሪ ናብ መንበሪኡ ርእሰ ኣድባራት ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ምስ ተመልሰ ናይቲ በዓል ፍጻመ ኾነ።