ብፍሉይ ንምጥቃስ ግና ኣብ ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ባጽዕ፡ ብፁዕ አቡነ ባስልዮስ ዋና አመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክ ወጳጳስ ሃገረ ስብከት ዓንሰባን ሰሜናዊን ደቡባዊን ቀይሕ ባሕሪ፡ ኃለፍቲ ክፍልታት መንበረ ፓትርያርክ፡ ኣካላት መንግሥቲ፡ ኣብ ዝተረኽብሉ ክብ ብዝበለ መንፈሳዊ ድምቀት ተባዒሉ።
ብመሠረት ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ካብ ዋዜማ ሰዓት 4፡00 ድ/ቀ ጀሚሩ ክሳዕ ናብ 21 ጥሪ ዘውግሕ ለይቲ ንእግዚአብሔር ዘመስግን፡ ንቅድስት ድንግል ማርያም ዝውድስ፡ ንዅሉ ዓለም ሰላምን ፍቕርን ምሕረትን ዘውርድ ስብሐተ እግዚአብሔር በጺሑ። ጸሎተ ቅዳሴ ምስ ተሠርዐ ፡ ቀጺሉ ነቲ በዓል ዝምልከት ስብከተ ወንጌል ብሰባኬ ወንጌል መሪጌታ ስምዖን በየነ ምስ ተዋህበ፡ ብብፁዕ ኣቦና ቃለ ቡራኬ ተዋሂቡ፡ ብጸሎተ ምህለላ እቲ ሥነ ሥርዓት ተፈጺሙ።
ከምኡ’ውን ጻድቅ ኣቡነ ዮናስ 'አብዕሉ በዓልየ ምስ በዓለ ዕረፍታ ለእግዚእትነ ማርያም' ብዝበልዎ ቃል መሠረት ገዳም ደብረ ድኁኃን ኣቡነ ዮናስ በዓለ ዕረፍተ ሥጋሃ ለማርያምን ዝክረ ዕረፍት ኣቡነ ዮናስን ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝመጹ ገዳማውያን ኣቦታት፡ ሊቃውንት ቤተ ክርስቲያን፡ ውሉደ ክህነትን ምእመናን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ብመንፈሳዊ ሥርዓት ተባዒሉ።
ከምዝፍለጥ እዚ በዓል’ዚ ነቲ ኣካላዊ ቃል ክርስቶስ ብሥጋ ዝተገልጸሉ ጊዜያት ንኸመልክት ደኣ ‘ኣስተርእዮ’ ተባሂሉ ይጽዋዕ ኣሎ እምበር፡ ብቐንዱ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝዓረፈትሉ ዕለት እዩ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብዚ ምድሪ ሠለስተ ዓመት ምስ ሥድራኣ፡ ዓሠርተ ክልተ ዓመት ኣብ ቤተ መቅደስ፡ ሠላሳን ኣርባዕተን ዓመት ኣብ ቤት ቅዱስ ዮሴፍ፡ ዓሠርተ ኃሙሽተን ዓመት ኣብ ቤት ወንጌላዊ ዮሓንስ ድኅሪ ምንባራ ኣብ ስሳን ኣርባዕተን ዓመት ዕድመኣ 21 ጥር 49 ዓ.ም. ዓሪፋ።
ስለዚ እዚ በዓለ ዕረፍት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ብዘይካ ብኣረማዊ፡ ከሓዲ፡ መናፍቕ፡ ኣይሁዳውን ኣጋንንትን እንተዘይኮይኑ ብዅሉ ሕዝቢ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ብፍቕርን ክብርን ዝበዓል እዩ። ምኽንያቱ ድማ ነገረ ማርያም ምስ ነገረ ድኅነት ዝተተኃኃዘ ዓሚቕ ምሥጢር ስለዘለዎ እዩ። ኵሉ ጊዜ ድማ ኣብ መዓልታዊ ጸሎትና፡ ቅዳሴና ውዳሴና፡ ማኅሌትና መዝሙርና፡ ኣብ ሥርዓትና ትውፊትና፡ መዓልታዊ ጕዕዞናን ናብራናን ብዛዕባ ነገረ ማርያም ንገልጽን ንሰብኽን።
በረከታን ጸጋ ረድኤታን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን፡ ኣሜን!