ኣባ ኃይለ ማርያም ቀሲስ ወልደ ሥላሴ ኣብ ደብረ ማዕፆ ብ1953 ዓ.ም.ግ እዮም ተወሊዶም። ወዲ 12 ዓመት ምስ ኮኑ ትምህርተ እግዚአብሔር ንምቕሳም ናብ ገዳም ደብረ ወርቅ ኣቡነ ሊባኖስ ሃም ኣትዮም። ትምህርተ ዲቁና ካብ ኣባ ጽጌ ናይ ሎሚ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ክምሃሩ ከለው፡ ትምህርተ ግብረ ክህነት ድማ ካብ የኔታ ኣባ ገብረክርስቶስ ተማሂሮም። ድኅር’ዚ ብፍቓድ ማኅበር ናብ ተምቤን ለበለት ኣብ ትብሃል ዓዲ ከይዶም ትምህርቲ ቅኔን ኣቋቋምን ንኣስታት 5ተ ዓመት ምስ ተማህሩ ናብ ገዳሞም ተመሊሶም።
ሥጋኦም ንማኅበር ነፍሶም ንእግዚአብሔር ኣግዚኦም፡ ብሕጊ ጳኵሚስ እናተኣዘዙ ሕጊ ማኅበር እናፈጸሙ ክሳዕ ዕለተ ዕረፍቲ ባሕታዊ ኣባ ተወልደብርሃን ዕዮ ማኅበር ክፍጽሙ ጸንሑ። ድኅሪ ዕረፍቲ ባሕታዊ ኣባ ተወልደብርሃን ግና ናብ በዓቲ ማይ ክብሮም ብምእታው ብተባሕትዎ ክነብሩ ጀመሩ። ን20 ዓመት ዝኣክል ብተባሕትዎ ኣጽንዖተ መካን ኂዞም ድኅሪ ምጽናሕ ብዕለት 09 የካቲት 2013 ዓ.ም. ብሰላም ዓሪፎም። ባሕታዊ ኣባ ኃይለ ማርያም ብደረጃ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ጽኑዕ ዓምዲ፡ ዓቢይ ጽላል ዝነበሩ ኮይኖም፣ ብሃይማኖቶም ርቱዕ፡ ብምግባሮም ንኡድ፡ ኣማናዊ ኣቦ፡ ፈቃር፡ ፈታዊ ጋሻ እዮም ነይሮም።
በረከቶም ምስ ኵላትና ይኹን።