ኣስኬማ መላእክት ልብሰ ምንኵስና ዝተቐበላ ሾብዓተ ኣኃት፡ ንኣርባዕተ ዓመትን መንፈቅን ብጽኑዕ ርድእናን ትምህርትን ዝጸንሓ እየን። ትምህርተ ሃይማኖትን ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን፡ መጻሕፍተ መነኰሳት፡ ልሳነ ግእዝ፡ ጸሎትን ስብሓታትን፡ ከምኡ’ውን መነኰሳያት ከማልእኦ ዝግባእ ሥነ ምግባር ከም ርድእና፡ ተኣዝዞ፡ አጽንዖ በዓት፡ ትሕትና ወዘይመስሎ ትምህርታት ቤተ ክርስቲያንን ብዝግባእ ዝተማህራ ኮይነን ብተወሳኺ ንዕዮ ማኅበር ዝጠቅም ኢደ ጥበባት ቅድን ምስፋይን ልብሰ ተክህኖ ከጽንዓን ክምኮራን ዝጸንሓ እየን።
ኣብዚ ዕለት ግቡእ ሥርዓተ ግንዘትን፡ ልብሰ ምንኵስናን ኣስኬማን ምስ ተፈጸመለን ብጸሎተ ቅዳሴ ተዛዚሙ።
እዛ ገዳም’ዚኣ ብፍቓድ ቅዱስ ሲኖዶስ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ዝተገደመት ኣብ ሃገርና ቀዳመይቲ ናይ ደቀ ኣንስትዮ መነኰሳያት ኮይና፡ ቅድሚ ምግዳማ 4 መነኰሳያትን 6 ኣኃት ኂዛ ኽትጅምር ከላ፡ ድኅሪ ምግዳማ ድማ 24 ኣኃት ወሲኻ 30 ኣኃት ኂዛ ጸኒሓ፣ እንሆ ድማ ንመጀመርያ ጊዜ ካብዚአን በዚ ዕለት እዚ ሾብዓተ መንኲሰን ኣለዋ። ዝተረፋ ኸኣ 23 ኣብ ኣሞክሮ ኣለዋ።
ገዳም ደብረ ደናግል ቅድስት ድምያና ኣብ ኣሥመራ ከባቢ ገዛ ባንዳ ጥልያን ጥቃ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ግዕዛን መድኃኔ ዓለም ትርከብ ናይ መነኰሳያት ገዳም እያ።