እዚ ተረኺቡ ዘሎ ቅርሲ ሰፊሕ መጽናዕትን ምርምርን ዝጠልብ ብምዃኑ፡ ብዕለት 11 የካቲት 2013 ዓ.ም.ግ ኣባላት ቤተ መዘክር ዘመንበረ ፓትርያርክ ምስ ኃለፍቲ ቤተ መዘክር ኤርትራ ዝኾኑ ዶክተር ዮሴፍ ልብሰቃልን ኣቶ ኃይለ በርሀን ብምዃን ናብቲ ቦታ ዑደት ገይሮም።
ኣብዚ ዕለት’ዚ መራሒ ሥራሕ ንኡስ ሃገረ ስብከት በሪኽ መሪጌታ መርሓዊ ተስፋማርያም ምስ ኃላፊ ሰበኻ ጉባኤ ቀሲስ ሙሴ ነቲ ገለ ክፋሉ ላዕሊ ዝወፀ ዓታሩን ጻሕልን እናዘዋወሩ ከርእይዎም ከለው፡ እቶም ሰብ ሞያ ሥነ ቅርሲ ድማ ንዝያዳ መጽናዕትን ምርምርን ዝኾኖም ቅምሶታት ኣልዒሎም።
እዚ ኣብ ቀጽርን ካብ ቀጽሪ ወፃኢ ናይ ጥንታዊ ቤተ ክርስቲያን ፃዕዳ ክርስቲያን ተረኺቡ ዘሎ ቅርሲ፡ ንቅርሳዊ ኣኃዛት ሃገርና ዘብዝኅ ኮይኑ፡ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዕቃበ ቅርሲ ሃገር ዘለዋ ዕዙዝ ተራ ዝገልጽ እዩ።
ቅርስታት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ ርእሲ እቲ ኣነባብራ ቀዳሞት ሕዝበ ክርስቲያን ምትራኹ በረከትን ጸጋን ንወለዶ ዘትርፍ ብምዃኑ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብልዑል ክብሪ እትርእዮ ቀንዲ ሃብታ እዩ።