እቶም ኣብ ሃገረ ስብከት ማእከል ንኡሳን ኣህጉረ ስብከታት በሪኽን ሎጎ ዓንሰባን ካብ ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያናት ዝመጹ ተመረቕቲ፡ ብመዓርገ ክህነት ዝተቐብኡ 7 ዲያቆናት፡ ብመዓርገ ዲቁና ዝተቐብኡ 71 ተማሃሮ ካብ ንኡስ ሃገረ ስብከት በሪኽ፡ ከምኡ ድማ ካብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሎጎ ዓንሰባ 9 ዲያቆናት፣ ብክህነት 34 ተማሃሮ ድማ ብመዓርገ ዲቁና ክኾኑ ከለዉ፡ ብድምር 121 ተሠይሞም።
ብፁዕ አቡነ ባስልዮስ ንዅሎም ናይቲ ዕለት ተመረቕቲ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔርን ምእመናንን ብትግሃትን ብቅንዕናን ክንመላለስ፡ ከምኡ ድማ ኣብ እምነትና ጽኑዓትን እሙናትን ኣገልገልቲ ክንከውን ይግባእ ክብሉ ምዒዶም።
እዞም ነዚ መዓርግ’ዚ ዝበቕዑ ካህናትን ዲያቆናትን፡ን ብቕዓቶም ዝመዝን ዝግባእ መርመራታት ዝኃለፉን ብሥነ ምግባሮምን እምነቶምን ዝተመስከረሎምን እዮም።