ኣብ’ቲ ዕለት ኣባላት ምምኅዳር ሃገረ ስብከት ኣሜሪካን ካናዳን፡ ኣባላት ምምኅዳር ኤውሮጳ፡ ኣባላት ምምኅዳር ንኡስ ሃገረ ስብከት ኣውስትራልያን ኒው ዝላንድ፡ ኣባላት ምምኅዳር ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣባላት ምምኅዳር ንኡስ ሃገረ ስብከት ምብራቅ ኣፍሪቃ፡ ኣባላት ሰበካ ጉባኤ መድኃኔ ዓለምን ቅድስት ድንግል ማርያም ተል ኣቪቭ እስራኤል፡ ኣባላት ሰበካ ጉባኤ ኪዳነ ምሕረት ኣቡዳብን ከባቢኣን፡ ኣባላት ሰበካ ጉባኤ ቅድስት ሥላሴ ዱባይን ከባቢኣን፡ ምምኅዳር ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ምምኅዳር ቅድስት ማርያም ልዋንዳ ኣንጎላ ተሳቲፎም።
ተሳተፍቲ ብውሉደ ክህነት ይኹን ብሕዝቢ ኣብ ህልው ጉዳይ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንዝቐርበሎም ሕቶታት ብቀጥታ ናብ ቅዱስ ሲኖዶስ ድኅሪ ምቕራብ ብፍላይ ኣብ ኪደት ምርጫ ቅዱስ ፓትርያርክን ንቤተ ክርስቲያን ዘጋጥማ ዘሎ ፈተናታትን ኣቶኪሮም ሕቶን ርእይቶን ሂቦም።
ቅዱስ ሲኖዶስ ንዅሉ ዝቀረበሉ ሕቶን ርእይቶን ድኅሪ ምስማዕ፡ ኣብ መፈጸምታ ሰብ ይሓስብ፡ እግዚአብሔር ይፍጽም ከምዝብል ቅዱስ ቃሉ፡ ንሓሳብና ኣብ ዝሓፀረ እዋን እግዚአብሔር ክፍጽመልና ኣብ’ዚ ዘሎናዮ ሱባኤ ኵሉ ውሉደ ቤተ ክርስቲያን ብጥብዓት ንእግዚአብሔር ክልምንን ክማህለልን መጸዋዕታ አኅሊፉ።
ቅድም ክብል ቅዱስ ሲኖዶስ በብእዋኑ ንአኅጉረ ስብከታትን ንኡሳን ኣኅጉረ ስብከታትን በብእብረ ብመልክዕ ዘተ ርክባት ክገብር እኳ እንተ ጸንሐ፡ እዚ ብመንገዲ ማንዛዊ (zoom) ርክባት ዝተቓንዐ ዘተ፡ ንዅለን ኣብ ወፃኢ ዝርከባ ኣህጉረ ስብከታት ኣብ ሓደ መኣዲ ኣምጺኡ ንመጀመርታ ጊዜ ዝተቓንዐ ብምዃኑ፡ ኵሎም ተሳተፍቲ ቀጻልነት ክህልዎ ተማኅፂኖም።