እዚ ናይ ጸሎት፡ ትምህርቲ፡ ዝተፈላለዩ መንፈሳዊ መደባት ምስ ናይ እንግዶት መደብ ዘጠቓለለ ምብጻሕ፡ ኣባላት ትምህርቲ ሰንበት ብዓቕሞም ዘገብርዎ ኣበርክቶ ኮይኑ፡ ኣብ ዓበይቲ በዓላት ከም በዓል ርእሰ ዓውደ ዓመት ቅዱስ ዮሐንስ፡ በዓለ ልደት፡ በዓለ ጥምቀት፡ ትንሣኤ፡ ዝካየድ ምዃኑ ቀሲስ መንግሥተ አብ ቀሲስ በየነ ገሊጾም።
ብዘይካ እዚ ቀሲስ መንግሥተአብ ከምዝገለጽዎ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኃላፊ ክፍሊ ኣድያማተ ስብከት ሊቀ ካህናት ቀሲስ ዘሚካኤል ኣብርሃም ኣብ ዝተረኽቡሉ ውን፡ ነቶም ዘይተጠምቁ ዘኽታማት ብምምሃር ሥርዓተ ጥምቀት ከም ዝተፈጸመሎምን ገለ ካብኦም ድማ ናብ መዓርገ ዲቁና ብምብጻሕ ዝተፈላለዩ ትምህርታት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምምሃር ከም ዝርከቡ ሓቢሮም።
ኣባላት እቲ መናበይን ኣለይቶምን ብወገኖም፡ በቶም ነዚ መደባት ዘካየዱ መንእሰያትን ቅድስት ቤተ ክርስቲያንን ዝግበረሎም ዘሎ ሓልዮትን ምትብባዕን ሕጕሳት ምዃኖም ልበዊ ምስጋናኦም ገሊጾም።