Print this page

ኣብ እምባደርሆ ዝእለዩ ዘኽታማት ተናበይቲ ብተማሃሮ ትምህርቲ ሰንበት ተበጺሖም!

Mar 22, 2021

ብዕለት 27/06/2013 ዓ.ም.ግ ኣብ ሃገረ ስብከት ማእከል ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰረጃቓ እምባደርሆ ብሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድኅነትን ዝእለዩ ዘኽታማት ተናበይቲ፡ ብመንእሰያት ኣባላት ትምህርቲ ሰንበት ደብረ ኢየሱስን ደብረ ገነት ኪዳነ ምሕረትን፡ ናይ እንግዶትን ዝተፈላለዩ መንፈሳዊ መደባትን ዘጠቓለለ ምብጻሕ ተኻይዱሎም።

እዚ ናይ ጸሎት፡ ትምህርቲ፡ ዝተፈላለዩ መንፈሳዊ መደባት ምስ ናይ እንግዶት መደብ ዘጠቓለለ ምብጻሕ፡ ኣባላት ትምህርቲ ሰንበት ብዓቕሞም ዘገብርዎ ኣበርክቶ ኮይኑ፡ ኣብ ዓበይቲ በዓላት ከም በዓል ርእሰ ዓውደ ዓመት ቅዱስ ዮሐንስ፡ በዓለ ልደት፡ በዓለ ጥምቀት፡ ትንሣኤ፡ ዝካየድ ምዃኑ ቀሲስ መንግሥተ አብ ቀሲስ በየነ ገሊጾም።

ብዘይካ እዚ ቀሲስ መንግሥተአብ ከምዝገለጽዎ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኃላፊ ክፍሊ ኣድያማተ ስብከት ሊቀ ካህናት ቀሲስ ዘሚካኤል ኣብርሃም ኣብ ዝተረኽቡሉ ውን፡ ነቶም ዘይተጠምቁ ዘኽታማት ብምምሃር ሥርዓተ ጥምቀት ከም ዝተፈጸመሎምን ገለ ካብኦም ድማ ናብ መዓርገ ዲቁና ብምብጻሕ ዝተፈላለዩ ትምህርታት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምምሃር ከም ዝርከቡ ሓቢሮም።

ኣባላት እቲ መናበይን ኣለይቶምን ብወገኖም፡ በቶም ነዚ መደባት ዘካየዱ መንእሰያትን ቅድስት ቤተ ክርስቲያንን ዝግበረሎም ዘሎ ሓልዮትን ምትብባዕን ሕጕሳት ምዃኖም ልበዊ ምስጋናኦም ገሊጾም።