ነዚ ንምፍታሕ ከኣ ብሓገዝ ገበርቲ ሠናይን ዓቕሚ ገዳምን፡ ጥንታዊ ቤተ ክርስቲያን ኣቡነ ብፁዐ ኣምላክ ክሕደስ ከሎ፡ ሥላሴ ንብፁዕ ኣቦና ዝተገልጽሎም ጸበል ዝውሰደሉ ቦታ ድማ ንእኡ ዝምጥን ቤት ተሓኒፅሉ። ብተወሳኺ’ውን ዓቢይ ኣደራሽ፡ መዕረፊ ኣጋይሽ፡ መምሃሪን መኅደርን ተማሃሮ፡ መኽዘን ማይን ካልኦት ኣባይትን ተሓኒፆም ኣለዉ። ከም መቀጸልታ ናይዚ ልምዓታዊ ሥራሓት ከኣ ብዓል ሓደ ደርቢ ንምሕናፅ እብነ መሠረት ተነቢሩ ይርከብ።
ከምዝፍለጥ፡ ኣብ ሃገርና ብስም ኣቡነ ብፁዕ ኣምላክ ዝተገደሙ ገዳማት ክልተ ኮይኖም፣ ሓደ ኣብ ጐደይቲ ንኡስ ዞባ ማይ ዓይኒ ዝርከብ ኮይናኑ፣ ካልኣይ ድማ እዚ ልምዓታዊ ንጥፈታት ዝካየደሉ ዘሎ ካብ ከተማ ኣሥመራ ኣስታት 40 ኪ.ሜ ንሸነኽ ደቡብ ርኂቑ ኣብ ንኡስ ዞባ ድባርዋ ከባቢ ሓልሓለ ዓዲ እምኒ ጸሊም ዝርከብ እዩ።
ኣብዚ ገዳም 4ተ መነኮሳትን 18ተ መነኮሳይያትን ክህልዉ ከለዉ፡ ብዙኃት ተማሃሮ ድማ ኣብ ምፍራይ ይርከቡ።